መልሲ ን”ሓድነት ኣብ ህላወን ለውጥን ስልጣነን ሃገር”፡ ብኮኾብ ጽባሕ።

  

ክቡር ኮኾብ ጽባሕ፡ ፈለማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ‘ዛዕባ ሓድነት’ መሪጽካ፡ መሃሪ ሓሳባት ከተሕልፍ ንዝወሰድካዮ ተበግሶ፡ አዕሚቐ ኣመስግነካ። ‘ሓድነት’ መተካእልታ ዘይብሉ ዓንዲ ሕቖ ሃገር እዩ፡ ኣብዚ ኣነን ንስኻ፡ ንሰማማዕ ኢና፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ- ኣብ ሃገርና ክነግስ ከኣ፡ ሃረርታና: ሓደ እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ሰፊሕን ነዊሕን: ሓሳባትን ጻውዒትን፡ ን’ሓድነት’ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዳርጋ ንኹሎም ‘ዛዕባታት ሃገር’ ክሓቑፍ ክብል፡ ነታ ‘ሓድነት’ ትብል ኣምርን ብኸመይ ከ- ትህነጽ ዝብል ኩርናዕን፡ ብዝግባእ ክገልጽ ኣይከኣለን።

ብመጀመርታ ጽሑፍካ፡ ዓንቀጽ-ብዓንቀጽ: ተወዲቡ ክንሱ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ: ሓደ ጥሙር ሓሳብን መልኽእትን ከሕልፍ፡ ብዝግባእ ሰሚሩ ኣይከደን። ካብኡ ሓሊፉ፡ ንሓቀኛን መሰረታዊን ‘ነጥብታት ሓድነት’ ዝምልከት ጽኑዕ መሰረታዊ ሓሳባት ኣይተረኽቦን። ጽሑፍ ብዘይ ቅደም-ተኸተል ስለ ዝተሃንጸ እውን፡ ነዊሕን ኣሰልካይን ኮይኑ። ብሓቂ ድማ፡ “ኮኾብ ጽባሕ፡ ንምንታይ እዩ፡ ነቲ ‘ዓብዪ ኣምር ሓድነትን’፡ ‘ዳርጋ ኩሉ ሃገራዊ ዛዕባታትን’፡ ኣብ ሓደ ከቕርቦ ህርድግ ኢሉ፧” ክብል ክኢለ እየ።

ኣብ ጽሑፍካ ተዘርዚሮም ዘለዉ መትከላት (ከም ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ፍትሒ፡ ማዕርነት) ኣብ ባይታ- ብጭቡጥ: ብኸመይ ክትርጎሙ ከም ዝኽእሉ: ዘርኢ መንገዲ የለን። ሃገራዊ ዓወት፡ ብባህርያዊ ጸጋታትን ሃገራዊ ሓይልን ጥራይ ከም ዘይረጋገጽ ክትገልጽ ከለኻ፡ ‘ኣምር ሓድነት’ ምስ’ዚ ዘልዓልካዮ ሓሳብ: ከመይ ጌሩ ተነጻጺሩ ከም ዝበልጾ፡ ኣይገለጽካን። ሓቂ እዩ፡ “ተምሳሌታት ጥሙራት ኣባትር፡ ስኒት ዘለዎ ኣካላት ወዲ ሰብ፡ ህንጸት ቤትን ዝኣመሰለ፡ ምሉእ ሓሳባት”፡ ኣነ እውን ዝቕበሎ- ጽቡቕ ሞጎት ኣቕሪብካ ኢኻ። እዚ ዓበይቲ ኣበሃህላታት ግን፡ ከም ብሂል ጥራይ ኮፍ ኣቢልካ፡ ብተግባር ከመይ ኢሉ- ከም ዝረጋገጽ እንተዘይተንቲንካዮ፡ ካብ ተምሳሌትን ኣበሃህላታትን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ሰብ ምስላታት ኣይኮነን- ስኢኑ ዘሎ፡ እቲ ከቢድ ዎ ዘሎ ኣምራት፡ ብኸመይ ከቕልሎ- ክርድኦ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ: ክረብሓሉ እዩ ዝብህግ።

ብተወሳኺ ከኣ፡ ጽሑፍካ፡ ‘ሃገራዊ ሓድነት’፡ ‘ለውጥ’ን: ‘ክቡር ሸቶታ’ን ክብል ከሎ፡ ነዚ ግዙፍ ሃገራዊ ዕላማታት ንምጉንጻፍ፡ሰፊሕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ “ሰፊሕ ምቅስቓሳትን ሕብረቶምን” ከም ዘድሊ ዘንጊዑ እዩ። ንስኻ በይንኻ: ነዚ ዕላማ እዚ እንተተዓጢቕካ፡ እዚ ህቀና እዚ: ክኸብደካ እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ፍጹም ከተረጋግጾ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምስ ካልኦት: ኣርባዕተ- ሓሙሽተ ሰባት: እንተዄይንካ እውን ከምኡ፡ ካብቲ በይንኻ ዝግበር ድኣ: ቁሩብ ይቐልል ይኸውን እምበር፡ ኣመና ከቢድ እዩ። እዚ ዘቕረብክዎ ክልተ ኣብነታትሲ ይትረፍ፡ “ሓደ ሓድሽ ውልዶ መጠናዊ ቁጽሪ ዘለዎ ምንቅስቃስ” እውን እንተኾነ፡ ብኸምዚ ኣቕሪብካዮ ዘለኻ ንቕሎ እንተፈሊሙ፡ ብዙሕ ክስጒም ክጣራዕ እዩ። ዘርዚርካዮም ዘለኻ ዓበይቲ ዕላማታት፡ ቅዋማዊ ምሕደራን ሃገራዊ ዕርቂን: ከምቲ ኣቐዲመ ጠቒሰዮ ዘለኹ: ናይ ሓደ ወይ ክልተ ምቅስቃሳት ዕማም ዘይኮነስ፡ ናይ “ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ውህደት ዝተሓቑፍ ምንቅስቃሳት”: ዕዮ እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ከኣ፡ ብዙሕ መንገዲ፡ ብዙሕ ስራሕ: ብዙሕ ሃገራዊ ጻዕሪ የድሊ። ስለዚ ክቡር ኮኾብ ዝጽባሕ፡ ነዚ መሰረታዊ ጉዳይ እዚ ዘሊልካዮ ኣለኻ።

ኣብዚ ቀልጢፉ ዝመጽእ ነጥቢ፡ ነዚ ኣነን ንስኻን: ኣመና ኣድላይ ምኻኑ ንኣምነሉ ‘ኣምር ሃገራዊ ሓድነት’ ንምርካብ፡ ፈለማ- ሰባት: ከማይን ከማኻን፡ ኣብ መሰረታዊ ነጥብታት ህይወት ወዲ ሰብ ክሓስቡ፡ ሓሲቦም ከኣ: ክገልጹን ከምዚ ሕጂ- ኣነን ንስኻን ኣዕሚቕና ንዝቲ ዘለና ክዝትዩ፡ ብኡ ኣቢሎም ንቕሓት ክፈጥሩ፡ ሰብ ቅድሚ ኩሉ ነገር- ብሓሳብን ብሕግን ክኸይድ፡ ብሰብን ብእዝግን ተደላይ ምዃኑ ክግንዘቡ፡ በዚ ኩሉ ጻዕርታት ከኣ: ሓድነት ክፈጥሩ እዩ- እቲ መስርዕ። ንሱ እዩ እቲ: ቅደም-ተኸተል። ቅድም ሰብ ተንቕሖ፡ ምንቃሕ ማለት ከኣ፡ ብዙሕ ስራሕ: ብዙሕ ንጹር ሓሳባት እዩ: ዝደሊ። እዚ ከይገበርካ፡ ስቕ ኢልካ፡ “ንዑ ተበገሱ! ንዑ ሓደ ኩኑ!” ክትብል: ንዕኡ ከም ኣርእስቲ ኣጺፊፍካ ከይወዳእካ፡ ካልኦት ዓበይቲ ኣርእስታት ክትድርበሉ ግን፡ ነቲ ጻዕሪ- ቀልጢፉ ናብ ዓወት ኣይምጽኦን እዩ። ስለዚ :ሰብ ቅድም ይነቕሕ፡ ቀጺሉ ከኣ፡ ሓደን ፍልልይ ዘይብሉን ምዃኑ ይርዳእ፡ ናብ ‘ሓድነት’ ከኣ ይመጽእ። እምበር: ‘ሓድነት’ ጥራይ ብምስባኽ: ፍረ ኣይርከብን። ‘ንቕሓት ዘይብሉ ሓድነት’ ከኣ፡ ኣየረብሕን።

ክቡር ኮኾብ ጽባሕ፡ ን’ሓድነት’ ዝብል ኣምር ፈላሚ ኣርእስትኻ ምግባርካ፡ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎካ ፍቕሪ፡ ኣብ ሃገርካ፡ ኩሉ ዓይነት ሰላም: ራህዋን ዕብየትን ክመጽእ ብዘለካ ባህጊ ዝተደረኸን፡ ን’ዕሙቖት ኣገዳስነት ሓድነት’ ብግቡእ ስለ ዝተረዳእካ ኢኻ። ኣብዚ- ሕጂ’ውን ኣመና ከም ዘመስግነካ ክገልጸካ እደሊ። ‘ሓድነት’ ግን ብላዕሊ ላዕል: ብጭርሖ: ብሰናይ ድሌትን ጻውዒታትን: ኣይመጽእን እዩ። ልክዕ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ፡ “ክልተ- ካብ ሓደ- ይሕሹ! ሓደ እንተ ወደቐ: እቲ ሓደ የተንስኦ!” ኢሉ፡ ሓይሊ- ናይ ብሓደ ምትእስሳር ዝገልጾ፡ ‘ሓቀኛ ሓድነት’፡ ካብ ክልተ ሰባት እያ ትጅምር። ንኣብነት: ኣነን ንስኻን ብብስለት፡ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ: ብቅንዕና ንዝቲ ምህላውና፡ ‘ሓደ መሰረታዊ ባእታ ሓድነት’ እዩ። ንኻልኦት እውን፡ ብሓደ ኢሂን ምሂን ክብሃሉ፡ ባይታ ዘንጽፍ፡ ‘መሰረታዊ ረቋሒ ናይ ሓድነት’ እዩ። እዚ ማለት: ኣነን ንስኻን: “ብሓድነት- ብዛዕባ ሓድነት”: ንዝቲ ኣለና ማለት እዩ። ኣብ ባህሊ ኤርትራ: ትሕትናን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዝሰረቱ: ድልዱል ዝምድናታት ነይሩና፡ ሕጂ እውን: ብዙሕ ማህሰይቲ ድኣ ኣለዎ እምበር፡ ኣሎ-ኣይጠፍአን። ኣብዚ መዳይ እዚ: “ንሕና” ክብሃል ከሎ፡ ወይ ካብ ክልተ: ወይ ካብ ሰለስተ: ወይ ካብ ኣርባዕተ: እናበለ እዩ ናብቲ ዝልዓለ ደረጅኡ ዝድየብ። ስለዚ ‘ሓድነት’ ካብ ማህጸን ስድራቤት፡ ሕውነትን ምሕዝነትን: ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ናብ ሰፊሕ ሃገራዊ ብርኪ ክዓቢ ይግባእ።

ሓደ ኣዝዩ ዓብዪ ነጥቢ: ግን ኣሎ። ን’ሓድነት’ ክትጽሕፈሉን ክትዝትየሉን ዝተበገስካ፡ ‘ሓድነት’: ከምቲ ክኾኑ ዝግብኦ ስለዘየለ፡ ነገራት- ኣብ ቅኑዕ መስመሮም ክትመልስ: ኢልካ ኢኻ። ዝተበላሸው መኣዝናት ሓድነት፡ ዝተፈጥረ ፍልልያት ስለ ዘሎን ክህሉ ስለ ዘይብሉን ኢኻ። እሞ ኸ ድኣ፡ ኣብዚ ንዘሎ መሰረታዊ ስራሕን ጻዕርን ከይዳህሰስካ፡ ናብ ‘ጻውዒት ሓድነት’ ምንጣጥ ግብራዊ ድዩ፧ ን’ዝተበላሸወ ሸነኻት ሓድነት’: ዝፍውሱ ነጥብታት ከየምጻእካ፡ ከይሰራሕካሎም፡ “ዎ ሓድነት!”፡ ምባል የዕውት ዶ፧ 

ሰብ ሓደ እዩ፡ ብመሰረቱ፡ ክፈላለ እውን ኣይግብኦን፡ ይትረፍ -ብደረጃ ሃገር፡ ወላ እውን ብደረጃ ምሉእ ዓሌት ደቂ ሰባት!!! ተበለጽቲ: “ሓድነት ሰባት” ከም ዘይጠቕሞም ምስፈለጡ፡ ንዕኡ ይሃርምዎ- የፍርስዎ። ስለዚ: ነቲ ዝፈረሰ ምህናጽ: ናብ ቦትኡ ምምላስ፡ መዓት ስራሕ እዩ፡ ኣብኡ ዘይተኮረ -ንቕሎ፡ ኣየስልጥን እዩ። ዝነበረን ዘሎን ጸገማት፡ ብኸመይ ብብስለት: ብዕርቂ: ንቕድሚ ብምርኣይ: ክፍታሕ ኣለዎ፡ እቲ መሰረታውን ዘይዝለልን፡ ‘ጉዳያት ኣምር ሓድነት’ እዩ። 

እዚ ዝብል ዘለኹ- ክቡር ኮኾብ ጽባሕ፡ ጽሑፍካ፡ ነዚ “መሰረታዊ ነጥብታት ኣምር ሓድነት” ነጢሩ: ን’ብዘሎ ሃገራዊ ዛዕባታት’ ብሓንሳብ ክፈትሕ፡ ንኹሉ ሽግራት: ኣብ ሓደ ወረቐት መልሲ ከናዲ እዩ ዝፍትን። ብሓጺሩ፡ ጽሑፍካ፡ ሓደ ዓብዪ ልዕሊ መጠን ዝኸደ ፖለቲካዊ ሓይልን ናውትን ወኒንካ፡ “ን’ሓድነት’ ብኸምዚ መንገዲታት ንርከቦ!!!”፡ “እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ከኣ፡ ሕጂ ፍታሕ ይርከቡ!!!”፡ ዝብል ዘሎ መሲሉ። ስለዚ: ናብ ጭቡጥ ክግበር ዝክኣል፡ ደፋእ ኢሉ ዝዓብን ግብራዊ መንገድን: ኣቲና ድኣ ንጓዓዝ። 

ኩቡር ኮኾብ ጽባሕ፡ እንኳዕ በቲ ኣመና ኣገዳሲ ኣርእስቲ ፈለምካ፡ እንኳዕ ከኣ፡ ኣነን ንስኻን: መዛተይ መድረኽ ረኺብና፡ ብክፉት ልብን ሕውነትን: ከምዚ ኢልና ተመያየጥና።

ሓውኻ ሰናይ ዘርአ ተወልደ።

guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ