ዝቐረበ ጽሑፍ “መን እዮም ናሕሲ ሃገር፧” ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝፈረሰ ናሕሲ ሃገሩ ኰይኑ፡ ንጸገማቱ ብሓባር ንምፍታሕ፡ ናይ ምጉርምራም ግዜ ሓሊፉ ናይ ስራሕን ሕልናን ግዜ ምዃኑ ዘረድእ ዓሚቝን ታሪካዊን ጻውዒት እዩ።
ቅድሚ ኵሉ፡ ሰናይ ዘርአ ተወልደ ኣብዚ ኣገዳሲ ዛዕባ እዚ መሪጹ ብምጽሓፉን፡ ንጹር ሓሳባት ብምቕማጡን ዓብዪ ምስጋና ይግብኦ። ኣነ ሮማ ተኽለ ድማ፡ ነዚ ዝተጀመረ ጻውዒት ንኸበርትዖን ተወሳኺ ሓሳባት ንምውሳኽን እዚ ጽሑፍ የሰንዮ ኣለኹ።
እቲ ብዕምቆት ክንርዳኦ ዝግባእ መባእታዊ ነጥቢ፡ ኣብ ሃገር ሓደ ሓድሽ ናይ ስራሕን ተሳትፎን ባህሊ ምህናጽ እዩ። ንሕና ገዛእ ርእስና ናሕሲ ሃገር ኢና ኢልና ሰባት ክንእዝዝ ወይ ላዕለዎት ትእዛዛት ከነመሓላልፍ ኣይንነቅልን፤ ሃገር ናይ ኵላትና ስድራቤት ስለዝዀነት፡ እቲ እንእክበሉን እንሰርሓሉን መንፈስ ግሉጽነት፡ ማዕርነት፡ ከምኡ እውን ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዋና ቤት ክሳብ ዝኸውን ዝደፍእ ናጻ መድረኽ እዩ።
ኣብ መንጎና ዝዀነ ይኹን ላዕለዋይ ኣዛዚ ወይ “ንሕና ንፈልጠልኵም” ዝብል ኣካይዳ ቦታ የብሉን። ንሕና ብሓባር ናይ ሓባር ቤት ንምህናጽ፡ ብፍቕርን ተወፋይነትን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ንሰርሕ እምበር፡ ሓደ ነቲ ካልእ ክቆጻጸሮ ዝፍትን መንገዲ ብጽኑዕ ንቃወም።
እቲ ብሓባር ንስርሓሉን ንዋሳኣሉን ሓድሽ መንፈስ – ንሱ እዩ ሓላፊና።
ሓደ መራሒ ንህዝቡ መሪሑ ናብ ናጽነት ንምውጻእ ዝጓዓዞ ጕዕዞ፡ ነፍስወከፍ ውልቀሰብ ናይ ባዕሉ ግደ ተሸኪሙ ብሓባር ክሰርሕ ይገብሮ። ሎሚ እውን ንሕና ኤርትራውያን ብኸምዚ ዓይነት ሕብረት ክህልወና ይግባእ። ናይ ኵላትና መራሒ እቲ “እጅገና ሰብሲብና ቤትና ንህነጽ” ዝብል መንፈስ እዩ።
እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ዓብዪ ሃገራዊ ሓላፍነትን እቲ ንግሆ ንግሆ እንወስዶ ስራሕን – ንሱ እዩ ሓላፊና።
እዚ ከኣ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብነት እዩ። ሃገር ብዘረባ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብግብርን ትዕግስትን ጥራይ እያ እትህነጽ፤ ስለዚ ጻዕርና ኣብ ስራሕን ዕዮን ዘተኰረ ክኸውን ይግባእ።
እቲ ብግብርን ትዕግስትን ንህነጸሉ ጽኑዕ መሰረት – ንሱ እዩ ሓላፊና።
መገደይ ጥራይ እዩ ቅኑዕ ካብ ዝብል ኣረኣእያ ክንርሕቕ፡ ፍረ ዘይሃቡ ኣረጊታት መገድታት ንድሕሪት ክንገድፍ ይግባእ፤ ንጸገማት ኤርትራ ብሓድሽ ኣተሓሳስባ፡ ንጹር ዕላማ፡ ብርሃን ዝመልኦ ውጥን ምህናጽ ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ብግልጺ ብምምይያጥን ብሓድሽ ኣተሓሳስባን እንፈጥሮ ብርሃን – ንሱ እዩ ሓላፊና።
ምንቅስቓስና ንህዝብናን መንእሰያትናን ተስፋ ዘስንቕ ክኸውን፡ ብክፉት ልቢ ኢሂን ምሂን ክንበሃል ኢና፤ ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ሃገር ኰይና ልባዊ ጻዕሪታት ክንካይድ ኢና። ሓደ ነቲ ካልእ ከይተቆጻጸረ፡ ብትሕትናን ብሓቅን ሓባራዊ ድምጽን ሰላማዊ መንገዲን ክንሰጉም ኣለና።
እቲ ብትሕትናን ብሓቅን ንጓዓዞ ሓባራዊ ሰላማዊ መንገዲ – ንሱ እዩ ሓላፊና።
ካብ ዝሓለፈ ጕዕዞና ብምምሃር፡ ብሓድሽ መንፈስን ብቅንዕናን ተንሲእና፡ ንኵሉ ጸገማት ሰጊርና ንሃገርና ናብ ዝሓሸ መድረኽ ከነሰጋግራ ንኽእል ኢና።
እቲ ብሓባር ኮይንና ንሃገርና ናብ ብርሃን ንመርሓሉ ሓድሽ መንፈስ – ንሱ እዩ ሓላፊና።
