መልሲ ን“ሽሞኛታት ጭቃ ዓድን – ንግስትን”፡ ሕቖን ከብድን፡ ብኣድያም ተወልደ።

  

እዚ ብኣድያም ተወልደ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ተባዕ ጽሑፍ እዩ። ምኽንያቱ ንውሽጣዊ ሓይሊ ሰብን ንንቕሓት ውልቀ-ሰብን ተንቲኑ፡ ህዝቢ ኣብ ኢዱ ሓይሊ ከም ዘሎ ከብርህ ዝህቅን ስለዝኾነ። ብዘይካዚ ጻሓፊት ከም “ዕጥቂ ወዲ ሰብ”፡ “ስጊንጥራዊ ሓሳረ መከራ”፡ “ሕቖን ከብድን” ዝኣመሰሉ ጽቡቓት መናድቓ ቃላትን ሓረጋትን ተጠቒማ መልእኽታ ከተሕልፍ ምህቃና፡ ሃብታም ዓቕሚ ቋንቋን ክእለት ብርዕን ከም ዘለዋ ዘርኢ እዩ። ጽሑፋ ካብ ሓያል ቅኑዕ ሃገራዊ ፍቕሪ ዝነቐለ ድርኺት ምዃኑ እውን ተጋሂዱ ኣሎ።

እንተኾነ ግን፡ እዚ ዓብዪ ዓቕሚ እዚ ምስቲ ሰፊሕ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ሓቅታት ተዋሃሂዱ ክኸይድ ስለዘይክኣለ: ዕዉት ክኸውን ኣይከኣለን። ሓቂ እዩ፡ ቅርጽን ኣሰራርሓን ሕጊ እንዳባ ኣመልኪታ ኣድያም ኣቕሪባቶ ዘላ ናብ መሰረት ሃገራዊ ግዝእተ-ሕጊ ዓብዪ ኣበርክቶ ክህልዎ ስለዝኽእል፡ ኣብኡ ሓያል ነጥቢ ርእየ ኣለኹ። ብልጫታት ሕጊ እንዳባ ምስ ዘመናዊ ስርዓተ ምሕደራ ተነጻጺሩ እንተዝቐርብ ከኣ :ጽቡቕ ምኾነ። ኣብዚ ጽሑፍ ግን ከምኡ ኣይረኸብና። ሕጊ እንዳባ ከም ኣርእስቲ ተላዕሉ እምበር፡ መልክዑ ክንዲ ንርኢ: መህረሚ ንካልእ ነጥቢ እዩ መጺኡ። ጻሓፊት ነታ ብተምሳሌት ንግስቲ ኣቒማታ ዘላ ኣካል ክትቕጥቕጥ ኣብ ታህዋኽ ዝነበረት ትመስል።

ካብ ኩሉ ዝገደደ ከኣ፡ ኩሉ መዳያዊ ህይወት ሃገርን ህዝብን ፍትሕን ሓቅን ዝረክብ: ብሕጊ እንዳባ ክትሓዝ እንተዝኽእል : ናብ ምባል ዘንቀደ መስመር ብምሓዛ ኣይፈተኹዎም። ስለምንታይ፧ ሕጊ እንዳባ ብባህሪኡ ንዘመናዊ ትምህርቲ፡ ምርምርን ተክኖሎጅን፡ ሃገር ምስ ደገ ዘለዋ ኣህጉራዊ ዝምድናታት፡ ምሕደራን ኣካይዳን ሰራዊት፡ መሰል ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ዘመናዊ ዓለም ዝህልወን ተሳታፍነትን ክሕዞን ከመሓድሮን ዓቕሚ የብሉን። እሞ ኸ ኣድያም- ብስምዒትን ናፍቖት ቀደምን ጥራይ ምጥማት የዋጽኣና ዶ ከም ሃገር፧

ኣብዚ ሓደ ኣጸቢቑ ብሩህ ዝኾነ ነገር ኣሎ። ንሱ ኸኣ ሕጊ እንዳባ ኣብ ሕሉፍ እዋን ኣብ ዝተወሰኑ ክፍላት ኤርትራ ማሕበራዊ ምሕደራን ፍትሕን ንምንጋስን ንምዕቃቡን ዝተፈጥረ ባህላዊ ስርዓት እዩ። እዚ ማለት ግን ንሃገር ተካይዶም ንግዳውያን ንጥፈታትን ምትእስሳሩ ምስ ዓለምን፡ ንዲጂታላዊ ቴክኖሎጅን ስትራተጂካዊ ወተሃደራዊ ህይወትን ክመርሕ ዝኽእል ሰነድ ኣይኮነን፤ ናይ ምዃን ዓቕምን ተስፋን እውን የብሉን። ኩላ ኤርትራ ብትሽዓተ ብሄራት ዝቖመት ሃገር ማዕረ ክትምሕደርን ስኒት ክህልዋን እንከሎ፡ እዚ ሕጊ እንዳባ ጥራይ ናይ ምባል መርገጺ ንኻልኦት ብሄራት ይዘሎ እዩ።

ስለዚ ብመንጽር እቲ ብኣድያም ተወልደ ቀሪቡ ዘሎ ኣተኩሮ ጽሑፍ፡ ብመንጽር ወሪዱና ዘሎ ሃስያ ሃሳይን ተሃሳይን ጥራይ ሒዙ ስለዝቐረበ፡ ሞጎት ጻሓፊት ድልዱል መሰረት የብሉን። ሕጊ እንዳባስ ድኻማት ነይርዎ ዶ፧ ብሰንኩ ዝወርድ ማሕበራዊ ጸቕጥን ኣድልዎን ከ ነይሩ ዶ፧ ዝብል ሕቶ ንኣድያም ምቕራብ ጠቓሚ እዩ።

ኣብቲ “ነገራት ክልወጡ- ንንቕሓት ተኸቲሉ- ኣብ መዳይ ፍርሒ ዘሎ መጋረጃ ምትርባዕ እዩ ዘድሊ!” ዝብል ሓሳብ፡ ነቲ ግሁድ ህይወት ወዲ ሰብን ተጽዕኖታቱ ዝዘንገዐ መሲሉ ይርአ። ፍርሒ ወትሩ መናብርቲ ደቂ-ሰባት እዩ። ሰባት ከኣ ካብ ቁጽሪ ዘይብሎም ነገራት ንፈርሕ፤ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሸነኻት ህይወት ኩሉ ግዜ ብፍርሕን ሻቕሎት ዝተዓብለለ እዩ። ስለዚ ከኣ ጽሑፍ ኣድያም ኣብ ክንዲ ፍናን ዘዕርግ፡ ተበዳሊ ህዝቢ ከም “ድኹም ኣእምሮ” ዘለዎ ጌርካ ናብ ምግላጽ ዝዘንበለ ኮይኑ ይርአ።

ኣብ መእተዊ ርእይቶይ ብኣድያም ተወልደ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ተባዕን ሃብታምን ከም ዝኾነ ጠቒሰ እየ። እዚ ዓቕሚ እዚ ግን ብብርቱዕ ፖለቲካዊ ጽልኢ ናብ ናይ መጥቃዕቲ ቋንቋ እዩ ሰጊሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ህቕና ጻሓፊት ነገር ንምቕናዕ ንሕግን ሰላምን ንምስጋር ከም ዝኾነ ግሁድ እኳ እንተኮነ፡ ኣብ መንፈሱ ግን ንሕጊ እንዳባ ዝናፈቐ፡ ከም ናይ ኩሉ ጸገማት መፍትሒ ጌሩ ዝርኣየ፡ በዳሊት ህዝቢ ኮይና ብንግስቲ ተወኪላ ዘላ ሓይሊ ከኣ ክትቕጥቀጥ ኣለዋ ናብ ምባል ዝዛዘወ እዩ። ክንጸርፍ ዶ ይሕሸና ወይስ ፍታሕ ክንእከብ፡ ንዘብክዩ መዳያት ሓዲግና ንዘድምዑ ነጥብታት ሃሰስ እናበልና ክንሰርሕ ይግብኣና። ብወገነይ ኣድያም ተወልደ ካብዚ ጌጋታቱ ተማሂራ ዝያዳ ሓያልን ኩሉ-ሓቓፊን ጽሑፍ ከተዳልዎ ዝኽእል ልዑል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ኣየጠራጥርን።

ጀማል ነድርክ ሓምድ

guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ