ሓድነት
መሰረት ለውጥን ሕውየትን ሰላምን ስልጣነን!
ሓድነት መሳርሒ ለውጥን፡ ህላዌን፡ ዕቃበ ሃገርን ህዝብን!
ሓንቲ ሃገር ኣብ ታሪኻ ኣብ ዓቢ ፈተነ ትኣቱ፡ ብግዳማዊ ጸቕጢ ዘይኮነስ፡ ብውሽጣዊ ምክፍፋል ምስ እትሳቐ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናት ሓድነት ስነሓሳባዊ ብሉጽነት ዘይኮነስ፡ ግድነታዊ ምርጫ’ዩ ክኸውን ዘልዎ። ሃገርና ከኣ በቲ ጸላኢ ኤርትራ ዝኾነ ስነ-ሓሳብ ዘይኮነ’ስ በቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ናይ ምክፍፋል ሓደጋ ተሻቒላ እያ ካብ ጸበባ ክትወጽእ ከም ዘለዋ ክትፈልጥ ዘድልያ ዘሎ።
መጻኢ ኤርትራ ኣብ ፖለትካዊ ለውጢ፡ ቁጠባዊ ጽገና፡ ወይ ዞባውን ዓለማውን ልምዓታዊ ጽምዶ ጥራይ ኣይኮነን ክምርኮስ ዘለዎ፡ እንታይ ደኣ ብመጀመርያ ኤርትራውያን እቲ ዘሕብሮም’ምበር እቲ ዝፈላልዮም ኣዝዩ ዝዓበየ ዘይምዃኑ ምሉእ ኣፍልጦ ክህብዎ ይግባእ። ሓድነት እምበኣር ብኩራት ፍልልይ ማለት ዘይኮነስ፡ ፍልልይካ ኣኽቢርካ ናይ ሓባር መጻኢ ምስዓብ ከምዘድልየካ ምፍላጥ የድሊ። እዚ ማለት ፍልልይ ከምጽባቐ ክቑጸር እንከሎ፡ ምክፍፋል ግና ናብ ጥፍኣትን ፍሽለትን ዝወስድ ተርእዮ ምዃኑ ክንጽር ይግባእ።
ፖለቲካዊ ፍልልይ፡ ስነ-ሓሳባዊ ምርጫታት፡ ዞባዊ ወይ ኣውራጃዊ ድሕረ-ባይታ፡ ሃይማኖታዊ መንነት ከምኡ’ውን ዝተፈላለዬ ተሞክሮ ወሎዶታት፡ ኣብ ሓደ ጥዑይ ሕብረት-ሰብ ዝህልዉን ዝነብሩን ተርእዮታት እዮም። እንተኾነ፡ እዞም ፍልልያት’ዚኣቶም ካብ ሓባራዊ ረብሓ ሃገር ንላዕሊ ጸብለል ኢሎም ምስዝወጹ፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚታት፡ ኣብ ምንጋስ ዕርቅን ሰላምን፡ ኣብ ብልጽግና ሓንቲ ሃገር ከቢድ ጉድኣት ክወርድ ይኽእል። ናብ ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ሰላም፡ ርግኣት፡ ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለ ዝወስድ ጎደና’ምበኣር ብሃገራዊ ሓድነት’ዩ ክጅምር ዘለዎ።
ሓድነት እንታይ ኢዩ?
ሓድነት፡ ዝተፈላለዬ ድሕረ-ባይታ፡ ርኢቶታት፡ ተሞሮታት ዘለዎም ህዝብታት ናይ ነንሕድሕዶም ብዙሕነትን ክብርታቶምን ኣፍልጦ ብምሃብ ዝገብርዎ ንቑሕ ተወፋይነት ናብ ሃገራዊ ዕላማ ኢዩ። ሓድነት ኩሉ ሰብ ብሓደ ክሓስብን ፍልልያቱ ክስርዝን ዝጠልብ ኣምር ኣይኮነን። ሓድነት እምበኣር፡ ሃገራዊ ረብሓታት ልዕሊ ውልቃዊ፡ ውድባዊ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ወይ ከኣ ፖለቲካዊ ረብሓታት ቀዳምነት እንሰርዓሉ መንገዲ እዩ። ሓቀኛ ሓድነት ጽልኢ ዘይብሉ ፍልልይ፡ ሕድሕዳዊ ዕንወት ዘይብሉ ውድድር፡ ብዙሕነት ብዘይምክፍፋል ዘፍቅድ ኣገባብ ኢዩ። ፍልልይ እቲ ዝረዓም ጸጋ ክኸውን እንከሎ፡ ምክፍፋል ግና ብንቕሓት ክንጸግ ዘለዎ ጎታቲ ፖለቲካ ምዃኑ ብንጹርነት ምርዳእ የድሊ።
መትከላት ሓድነት
ሓድነት ኣብ ምህናጽ ዘገልግሉና መትከላት ከመይ ዝኣመሰሉ እዮም?
ሓባራዊ መንነት፡ ሕድሕዳዊ ምክብባር፡ ምትእምማን፡ ሓባራዊ ዕላማ፡ ምስካም ሓባራዊ ሓላፍነታት፡ ፍትሓውነት፡ ማዕርነት ዜጋታት፡ ምንባር ተስፋ ኣብ መጻኢ ወሎዶታት፡ ብዝብሉ ቀወምትን ብግዜ ዝተፈተኑን መትከላት ዝምርኮስ ኣምር ኢዩ።
እዞም ክብርታት ዚኣቶም ኣብ ዘለዉሉ ሃገር ትዕምብብ፡ ብኩራት ናይዚኦም ከኣ ዋላ ሃብትን ወተሃደራዊ ሓይልን ይሃሉ፡ ሃገር ትደክምን ትቕምስልን ማለት ኢዩ።”ፍልልያት መልክዓት ርኢቶታት ሰባት የንጸባርቕ፡ ሓባራዊ ዕላማን ሓድነትን ግና ሃገር ይሃንጽ” “ምክፍፋል ህላውነት ኣብ ስግኣት የእቱ፡ ግስጋሴ የደናጒ፡ ሓድነት ግና ለውጥን ዕብዬትን የቀላጥፍ”
መሰረታት ሓድነት ኤርትራ
ዋላ’ኳ ፖለቲካዊ ዘይምስናይን ፍልልያትን ይሃሉ፡ ኤርትራውያን ጉሉሕ ዝኾነ፡ ሓባራዊ መሰረታት ሓድነት ዝውንኑ ህዝቢ ኢዮም።
1. ሓባራዊ ታሪኽ
ኤርትራውያን ኣብቲ ምእንቲ ልዑላውነትን ነጻነትን ንምጉንጻፍ ዝተገብረ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ፡ ብሓባር፡ ንዓሰርተትት ዓመታት ከቢድ ዋጋ ከፊሎም ኢዮም። ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ሃይማኖት፡ እምነት፡ ቋንቋ፡ ማሕበረኮማት ዝመጻ ስድራቤታት ኣበርክቶአን ጌረን እየን። ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና እምበኣር ብነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዝውነን እምበር ንገለ ዝቐርቦን ንገለ ዝርሕቆን ኣይኮነን። ታሪኻዊ ኣበርክቶናን ድሕረባይታትናን ከኣ ሓደ ሃገራዊ ሓድነት ንምህናጽ፡ ሓደ ጽኑዕ ዓንዲ ኮይኑ የገልግለና።
2. ሓባራዊ መንነት
ኤርትራ ብዙሕነት ባህልታት፡ ቋንቋታት፡ ሃይማኖታት፡ ያታታት ዝሓቖፈት ቤት ኢያ። እዞም ብዙሕነታት’ዚኣቶም ሃገራዊ ጸጋታት እምበር ከቶ ድኻም ኮይኖም ኣይፈልጡን። ልክዕ ከምቲ ብብዙሓት ሕብርታት ዘጌጸ ጽባቐ ቀስተ-ደበና፡ ብተመሳሳሊ፡ ብዙሕነት ኤርትራ ከኣ ሓደ ሃገራዊ መንነት የቕውም። ሓድነት ብዙሕነት ዝዕቀበሉ ጥምረት ኮይኑ ከገልግል እንከሎ፡ ምክፍፋል ብኣንጻሩ፡ ክውገድ ዘለዎ ዓቢ ስግኣት ኮይኑ ይርከብ ማለት ኢዩ።
3. ህሉው ሓባራዊ ብድሆታት
ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ፡ ብቐጥታትን ብተዘዋዋርን በዞም ህሉዋት ሓባራዊ ሃገራዊ ብድሆታት ዘይጽሎን ዘይትንከፍን ኤርትራዊ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ፦
– መወዳእታ ዘይብሉ ዝተናውሐ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡
– ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት፡
– ምፍልላይን ምብትታንን ስድራቤታት፡
– ቁጠባዊ ምንቁልቋልን ምረትን ዕንወትን፡
– ሽቕለት ኣልቦነትን ዕጹው ዕድላትን
– ዕፈና ኣብ ሲቪካዊ ሓርነታት ደቂ ሃገር፡
– ብኩራት ቅዋማዊ ምሕደራ፡
– ጥፍኣት ትካላዊ ትሓታትነት፡
– ዝተናውሐ ኣህጉራዊ ተነጽሎታት
– ፍልሰት ኣእምሮኣዊ ሃብቲ ሃገር
– ምጽንቃቕ ህዝባዊ ተኣማንነት፡
በእዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ክውንነታት፡ ዘይጽሎን ዘይሳቐን ደገፍቲ፡ ተቓወምቲ፡ ወይ ማእከላይ መርገጺ ዘለዎም ዜጋታት ክህልዉ ኣይክእሉን እዮም። ኣብዞም ሓባራዊ ብድሆታት ዘለና ኣፍልጦ እምበኣር፡ መበገሲ ናይቲ ዝድለ ሓባራዊ ሓድነት ዝጽውዕ ናይ ለውጢ ፍታሕ ንድሕነትን ህላዌን ቀጻልነትን ሃገር ኢዩ።
4. ሓባራዊ መጻኢ
ኩሉ ኤርትራዊ ስድራቤት፡ ንደቁ ዝትስፈዎ እዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ክረኽቡሉ ዝኽእሉ መጻኢ ምርኣይ ኢዩ፦
– ብሉጽ ትምህርቲ
– ትርጉም ዘለዎ ሽቕለት
– ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሕጊ ምንባር
– ሰላምን ድሕነትን ምስትምቓር
– ርኢቶታቶም ብሰላም ዝግለጸሉ
– ኣብ ምዕባለ ሃገሮም ዘበርክትሉ
– ምስ ሃገሮም ጽኑዕ ምትእስሳር ክህዎም
እዞም ባህግታት ዚኣቶም ኪኖ ኩሎም ፖለቲካዊ ፍልልያት ዜጋታት ኤርትራ እዮም።
ሓድነት ከም መንኮርኮር ለውጢ ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት
ነባሪ ለውጥታት ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ ብጽልእን ሕነ-ምፍዳይን ከምዘይረጋገጽ ታሪኽ ብዙሕ ምስክርነታት እዩ። ዝህበና። ዕዉት ምስግጋር ግህዶ ዝኸውን፡ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር በዞም ዝስዕቡ መትከላት ተጠሚሮም ሓድነት ምስዝፈጥሩ ጥራይ ኢዩ፦
– መትከል ቅዋምዊ ምሕደራ
– መትከል ነጻነት ህዝባውያን ትካላት
– መትከል ግዝኣተ ሕጊ
– መትከል ተሓታትነት መሪሕነት
– መትከል ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን
– መትከል ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት
– መትከል ማዕርነት ዜጋታት
ሓድነት እምበኣር፡ ትካላት ዝህነጽሉ ማሕበራዊ መሰረት ኮይኑ የገልግል። መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ሓድነት ዝመጽእ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ሓደ ዘይርጉእ ስርዓት ብኻልእ ዝገደደ ዝትካኣሉ መልክዕ ክኸውን ከሎ፡ ብሓድነት ዝመጽእ ለውጢ ግና ርጉእን ቀጻልነት ዘውሕስን ኮይኑ ይርከብ።
ምትካል ቅዋማዊ ምሕደራ ከም ሓባራዊ ሃገራዊ ሸቶ
ሓደ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልእ ክነግስ ከፍቅድ ኣይኮነን ዝህሉ። ቀንዲ ዕላምኡ እምበኣር ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ማዕርነት ንምዕቃብ ኢዩ። ትርጉም ዘለዎ ቅዋም ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ክምስርት ይግብኦ፦
– ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ
– ምክፍፋል ስልጣን- ሓጋጊ፡ ፈራዲ፡ ፈጻሚ
– ፍርዳዊ ነጻነት
– ምዕቃብ መሰረታውያን መሰላት
– ግሉጽ ምሕደራ
– ተሓታትነት
– ሰላማዊ ፖለቲካዊ ውድድር
ከምዚኦም ዝበሉ ትካላት፡ ኪኖ ውልቀ-መራሕቲ ዝዝርጋሕ ርግኣት ይፈጥሩ።
ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላት ኣድማሳዊ እዩ
ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራውያን ባዕዳዊ ኣምር ኮይኑ ክርአ ኣይግባእን። ሰብኣዊ ክብረት ንኹሉ ወዲ ኣዳም ኢዩ ዝምልከት። ምዕቃብ ሕልናዊ ነጻነት፡ ነጻነት ሓሳባት ምግላጽ፡ ነጻነት ማሕበር ምቛም፡ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ፡ ምዕሩይ ኣተሓሕዛ ብሓፈሻ ሓድነት ሃገር ዘድልድል እምበር ከቶ ዘዳኽም ኣይኮነን። ዜጋታት መሰላቶም ኣብ ዝሕለወሉ ማሕበራዊ ጥምረቶም ይዛይድ። ሃገራዊ ኣተሓሕዛ ምስ ቅቡላት ኣህጉራውን ዞባውን ኣተሓሕዛ መሰላት ኣብ ዝሳነዬሉ፡ ኤርትራ ልክዕ ዓለማዊ ቦትኣ ኣጠናኺራ ክትረክብ ይሕግዛ።
ወሳኒ ተራ ሓድነት – ብምንጽጻር ክርአ እንከሎ
ሓድነት ዕዉት ሃገራዊ ሓባራዊ ውጽኢት ኣብ ምርካብ ወሳኒ ምዃኑ፡ ታሪኽ ምስክርነቱ ይህበና ኢዩ። እተን ኣብ ቅዋማዊ ትካላት፡ ዕርቀ-ዜጋታት፡ ትምህርቲ፡ ኣሳታፊ ምዕባሌ፡ ኣድሂበን ስምረትን ሓድነትን ዘርኣያ ሃገራት፡ ካብተን ብኣንጻሩ ዝኸዳ ካልኦት፡ ፖለቲካዊ ርግኣት፡ ሓያል ቁጠባ፡ ልዑል ደረጃ መነባብሮ ዜጋታት ብሓፈሻ ዓበይቲ ዓወታት ከምዘመዝገባ ንምልከት።
ብኣንጻሩ፡ እተን ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬላዊ ምክፍፋል ዝተሸኽላ፡ ኣብ ዝተናውሐ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ዝተጸምዳ፡ ድኹም ትካላዊ ቁመና ዝውንና፡ ወፍርታት ዘይካየደለን፡ ቁጠባዊ ሕሰም ዝነግሰለን፡ ከምኡ ውን ቀጻሊ ማሕበራዊ ምፍንጫል ዝርኣየለን ሃገራት ኮይነን እዬን ዝተርፋ።
ባህርያዊ ጸጋታት ንበይኖም ሃገራዊ ዓወት ኣብ ምምዝጋብ ወሳኒ ተራ ኣይጻወቱን እዮም። ወተሃደራዊ ሓይሊ ሓንቲ ሃገር ብተመሳሳሊ፡ ነባሪ ሰላም ኣየውሕስን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ወሳኒ ረቛሒ እምበኣር፡ ዜጋታት ስግር ወይ ኪኖ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ፍልልያቶም ከይዶም ተኣመንቲ ትካላት ሃኒጾም ሓባራዊ ሃገራዊ ሸቶታት ክስዕቡ ክኽእሉ ከለዉ እዮም። እዚ ተነጻጻሪ መረዳእታ’ዚ እምበኣር ንኤርትራ ኣገዳሲ ምህሮ ከምዘለዎ እዩ ዘጉልሕ። ሓድነት ሓደ ዝበሃግ ነገር ጥራይ ዘይምዃኑ፡ እንታይ ደኣ ሓደ ንቀጻሊ ምዕባለ፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ነዊሕ ዝዝርጋሕ ፈተነ እትጻወር ሃገር ኣብ ምህላው ዘገድስ መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት እዩ።
ተምሳሌት ሓድነት ቁ-1፡ ጥምረት ናይተን ኣባትር
እዚ ጥንታዊ ምሳሌ’ዚ፡ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ኩሉ ግዜ ትርጉም ዘለዎ መረድኢ ጌርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ሓንቲ ንጽልቲ በትሪ ብቐሊሉ ትስበር። ሓደ ጥምረት ኣባትር ከኣ ክትሰብሮ የሸግር። ነፍሲ-ወከፍ በትሪ ትውክሎ መንነት ዘለዋ እያ። ጥንካሬኣ ካብቲ ምስ ካልኦት ኣባትር ዘለዋ ምትእስሳር ‘ዩ ዝምንጩ። ብተመሳሳሊ ኤርትራውያን ኣብ ቅድሚ ኩሎም ናይ ምክፍፋል ፈተነታት፡ ብዙሕነቶም እንተዓቂቦም፡ ዝሕይልሉ እምበር፡ ዝደኽምሉ ኣብነት ኣይክህልዎምን እዩ። ብሓደ ኮይኖም ከምዝዕወቱ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ታሪኾም ተኾሊዑ ከምዝርአ ኣብዚ ካልኣይ ምዕራፍ ታሪኾም ጉዕዞ ሓርነት’ውን፡ ብሓድነት ደው ኢሎም ንጸላእቶም ስዒሮም ከምዝወጹ ዘጠራጥር ኣይህሉን ኢዩ።
ተምሳሌት ሓድነት ቁ-2፡ ስኒት ኣካላት ወዲ-ሰብ
ሰብነት ወዲ ሰብ ብዙሓት ኣካላት ዘጠቓለለ ምዃኑ ኩሉና ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ኣዒንቲና ንልብና ተኪአን ክዓያ ይኽእላ ዶ? ሰናቡእና ኸ ንሓንጎልና ዶ ተኪአን ክሰርሓ ይኽእላ? ነፍሲ-ወከፈን ዝተፈላለዬ ኣገልግሎት ደኣ ብውህደት ይህባና። ናብ ሓደ ዕላማ ዝጠመተ ውህደት። ሂወት ምዕቃብ። እቲ ሓንቲ ነታ ካልእ ምስ ተጥቅዓ፡ እቲ ምሉእ ሰብነት ከምዝሳቐ፡ ሓደ ሃገር ከኣ ብተመሳሳሊ መንገዲ’ዩ ዝዓዩ። ዝተፈላለዩ ማሕበረ-ኮማት፡ ሞያውያን፡ ወለዶታት፡ ሃይማኖታት፡ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታት፡ ሓደ ፍሉይ ዘበርክትዎ ጥቕሚ ይህልዎም። ምትሕብባሮም ከኣ ንመላእ ሃገር ዘሐይል ኮይኑ ይርከብ።
ተምሳሌት ሓድነት ቁ-3፡ ምህናጽ እታ ቤት
ሓንቲ ቤት ብሓደ ዓንዲ ደው ክትብል ትኽእል ዶ? ኣይፋል። ንሓንቲ እንኮ ናሕሲ ዝድግፉ ብዙሓት ኣዕኑድ ባ የድልዩዋ። ሓደ ዓንዲ ምስ ዝድክም ከኣ ብምሉኡ’ቲ መዋቕር ኣብ ሓደጋ ይወድቕ። ብተመሳሳሊ ምሳሌ እምበኣር ኣዕኑዕ ሃገራዊ ህንጻ ኤርትራ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓለሉ ይኾኑ፦
– ፍትሒ
– ቅዋማዊ ምሕደራ
– ሃገራዊ ሓድነት
– ቁጠባዊ ዕድላት
– ትምህርቲ
– ሰብኣዊ መሰላት
– ዕርቂ ዜጋታት
– ተሓታትነት ዘለዎ ትካላት
ኩሎም እዚኦም ብሓባር ንህላዌን ቀጻልነትን ኤርትራዊ ቤት የቑሙ።
መጎተ ተቓዋምን ደጋፍን ኣልማሲ ደምበታት ፖለቲካ
ነቲ ድሮ ዝተቖራረሰ ሕምባሻ ኣዳቒቕካ ምቁርራስ!
ቅዋማዊ ምሕደራን መንግስታዊ መዋቕርን ኣብዘይተተኽለሉ፡ ርጉእ ህላዌን ቀጻልነትን ሃገርን ህዝብን ኣብዘይተረጋገጸሉ፡ ሰላማዊን ሓባራውን ኩነተ-ህላዌ ጉርብትና ኣብ ዘይተመስረተሉ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዘጎልብት ዞባውን ግሎባውን ኣህጉራውን ዝምድናታት ኣብ ዝማህመነሉ፡ ቅርዑይ ፖለቲካዊ ደምበታት ከነሳሲ ንኽእል ዶ? ንኣተሓሳስባን ተሳታፍነትን ዜጋታት ዘማእዝና ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ውዳቤታትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ከይፈጠርካ ኸ ደጋፍን ተቓዋምን ይኹን ማእከላይ ሕብሪ ተላቢሶም ዝዕዘቡን፡ ትርጉም ዝርከበሉ እዋን በጺሕና ዶ ክንብል ንኽእል?
ፖለቲካዊ ሕላገት ቀወምቲ መንነት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ደገፍቲ ይኹኑ ተቓወምቲ ብሓባር ዝካፈልዎም ባህግታት ከምዘለዉዎም ዝተፈልጠ ኢዩ። ከም ድሕነት፡ ሰብኣዊ ክብረት፡ ዕድላት፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና፡ ከምኡ’ውን ውሑስ መጻኢ ደቆም ዝኣመሰሉ።
ኣብ ብዙሓት ሕብረተ-ሰባት፡ ዜጋታት ኣብ ዝሰፍሐ ሃገራዊ ረብሓታት ሓድነት ዘርእዩ፡ ፖለቲካዊ ፍልልያት ሕጋውያንን ባህርያውን ኮይኖም ብኻልኣይ ደረጃ ምስ ዝተሓዙን ጥራይ እዮም፡፡ ምናልባት፡ ሓደ ጥዑይ ናብ ለውጥን ግስጋሰን እንዳ ሓሰበ ክቃወምን ክድግፍን ዝህቅን ክፋላት ሕብረተ-ሰብ፡ ፍልልዩ ብዘይ ተጻብኦ፡ ውድድራት ከኣ ንዜጋታት ከም ጸላእቲ ዘየቑጽር ምስክኸውን’ ጥራይ’ዩ ትርጉም ክሕዝ ዝኽእል። ቅኑዕ መዐቀኒ ሓርበኝነት ወይ ከኣ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ጌርካ
ዝቑጸር እምበኣር፡ ሓታቲነት ዝጎዶሎ ደገፍ መንግስቲ ምሃብ፡ ወይ ምንቅስቓስ ዘይኮነስ፡ ብቐጻልነት ክገሃድ ዘለዎ፡ ንጽቡቕ ኩነተ-ህላዌ ህዝብን ሃገርን ዝግበር ደገፍ እምበር። ሃናጺ ዝርርብን፡ ሕድሕዳዊ ምክብባርን፡ ንወሳኒን ሰላማውን ምስግጋር ናብ ቅዋማውን ሕጋውን ስርዓት ብሓባር ንምዕያይ ሰናይ ድሌት ዜጋታት ክህሉ ምኽኣል ኢዩ።
ሰላማዊ ኩነተ-ህላዌ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታትን ሃገራትን
ሰላማዊት ኤርትራ ንዞባዊ ሰላም ኣበርክቶ ክህልዋ ግድን እዩ። ሃናጽን ሰላማዊ ምትሕብባር ምስ ጎረባብቲ ህዝብታትን ሃገራትን ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ዘደንፍዕ ኮይኑ ንረኽቦ፡-
– ዞባዊ ንግዲ፡ ምዕባሌ ትሕተ-ቅርጺ፡ ምክልኻል ከባብያዊ ብከላ፡ ህዝባዊ ጥዕና ህዝብታት፡ ትምህርቲ፡ ቱሪዝም፡ ወፍሪ፡ ምዕጋት ግርጭታት፡ ባህላዊ ልውውጥ ኢዮም።
ኣብ ኣድላይነት ርጉእ ዞባዊ ዝምድናታት ስሙር መረዳእታ ምስዝልወና፡ ኣድላዩ ዘይኮነ ወጥርታት ከነወግድን፡ ኣብ ሓባራዊ ብልጽግና ዕድላት ክንፈጥርን ዘኽእል ኩነታት ይህልወና።
ብሓድነት ዝተጠምረት ኤርትራን ኣህጉራዊ ማህበረ-ኮምን
ኣብዛ ኣዝያ ዝተኣሳሰረት ናይ ሎሚ ዓለም፡ ንበይና ብተነጽሎ ክትብልጽግ ትኽእል ሃገር ከቶ ኣይክትርከብን ኢዩ። ሃገራት፡ ምስ ዞባውያን ውድባትን፡ ምስ ዝሰፍሐ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ኮምን ካልኦት ሃገራትን ፍልጠት ክለዋወጣ፡ ወፍሪ ክስሕባ፡ ትምህርታዊ ዕድላት ከስፋሕፍሓ፡ ቴክኖሎጂአን ከመሓይሻ ብሓፈሻ ሃናጺ ጽምዶ ከካይዳ የኽእለን። ኣብ ከም በዓል ተሃዋሲ ለውጢ ኩነታት ኣየር፡ ህዝባዊ ጥዕና፡ ርጉእን ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለን ዝኣመሰለ ግሎባዊ ጻዕርታት ንኽሳተፋን ጉዳያተን ከመዓራርያን ውን ይጠቕመን።
ደሞክራስያዊ ትካላት ብምሕያልን፡ ግዝኣተ-ሕጊ ክብ ብምባልን፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባርን፡ ኤርትራ ልዑላውነታ ኣብ ሓደጋ ከየውደቐት፡ ብነጻነት ውሳኔታታ ክትገብር እንዳከኣለትን፡ ሃገራዊ ልምዓት ክድግፍ ዝኽእል ምሕዝነታት ከተዕሙቕ ትኽእል ኢያ።
ራኢ መጻኢት ኤርትራ
እስከ ነዛ ትስዕብ ኤርትራ ብዓይኒ ሕልናና ንርኣያ፦
ዜጋታታ ኣብ ህዝባዊ ጉዳያቶም ብነጻ ዝሳተፉላ፡ ሰላማውን ተኣማንን መስርሓትን ውጽኢትን ምርጫታት ዝካየዱላ፡ ተኣማንነት ብዝውንኑ ህዝባዊ ትካላት እትካየድ ኤርትራ፡ መንእሰያታ ናብ ንጥፈታት ንግድን ትምህርትን ዝምለሱላ፡ ነዊሕ ዝተፈላለዩ ስድራቤታት ዝጠራነፉላ፡ ፍልጠት ዘስንቓ ዩኒቨርሲታት ዝዕምብባላ፡ ምህዞታት ዝዓብየሉ ባይታ ዝጣጥሓላ፡ ኣውፈርቲ እምነት ዘምብሩላ፡ ጋዜጠኛታት ብሓላፍነት ዝጽብጽቡላ፡ ኣብያተ-ፍርድታት ብነጻነት ዝዓያላ ኤርትራ ክትረኣየኩም ዶ ትኽእል ኣላ?
ህጻናት፡ ”ንመን ትፈልጥ’’ ዘይኮነስ ብጻዕርን ብልሓትን ዕድል ከምዝኽፈት እንዳእመኑ ዝዓብዩላ ኤርትራ? እዚ መጻኢ’ዚ፡ ሓድነት ካብ ምክፍፋል ዝሓዬለ ምስዝኸውን ጥራይ ኢዩ ሓቂ ኮይኑ ዝገሃድ።
ደምዳሚ ሓሳባት
ሓድነት ፖለቲካዊ ጭርሖ ዘይኮነስ ሃገራዊ ስትራተጂ ኢዩ። ኣብ ሞንጎ መስዋእትነትን ዓወትን ንዘሎ ጋግ ዘለጋግብ ቢንቶ ኢዩ። ካብ ድስካለ ናብ ለውጥን ተሓድሶን ዝወስድ መንገዲ ውን ኢዩ። ሓድነት፡ ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ሰብኣዊ ክብረት፡ ቀጻልነት ዘለዎ ስልጣነን ምዕባለን ዝህነጸሉ መሰረት እምበር። ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ፍልልያት ምህላዉ ንሓድነት ምኽኑይ ዝገብር ጽባቐ እምበር፡ ተጻራርነት ኣየርእን።
ታሪኽ ነተን ኣብ ኣድላዩ እዋን ወይ መድረኽ ጉዕዞአን፡ ልቦና ሓድነት ጨቢጠን ዝሰመራ ሃገራት ኢዩ ክዝክር ዝነብር። መጻኢ ኤርትራ በቲ ሎሚ እንገብሮ ምርጫታት እዩ ክውሰን፡ ማለት ንዘይምትእምማን ምጥርጣርን ብዝርርብ፡ ንምክፍፋልን ምርሕሓቕን ብምትሕብባር፡ ንድስካለን ምንቁልቋልን ብስሙር ግስጋሴ ክንትክኦ ምስ እንኽእል ጥራይ ኢዩ መጻኢ ሃገርና ውሑስን ዘተኣማምንን ዝኸውን።
እታ ሕብርትን ሓድነታዊትን ኤርትራ ሉኣላውነታ ትሕሉ፡ መሰልን ክብረትን ዜጋታታ ተረጋግጽ፡ ምስ ጎረባብታ ንዝህልዋ ሰላማዊ ዝምድና ተጠናኽር፡ ንዞባውን ግሎባውን ማሕበረኮም ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ብምግባር ከኣ ቀጸልቲ ወለዶታት ብርግኣትን ፍትሕን፡ ተስፋን እትልለ ሃገር ከምዝወርሱ እትገብር ኢያ።
ኣብ ካልእ ንባብ ክሳብ ንራኸብ ብርሃን ወጋሕታ ይምነዬልኩም!
ኮኾብ ጽባሕ
07 ሓምለ፡ 2026
