“እታ ናይ ብሓቂ- ሓቂ!”

  

ሎሚ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክቃነ ኣለዎ። ከም ሃገርን ከም ህዝብን ዝመጻእንዮ ጉዕዞ መርሚርና፡ ኩሉ ነገር- ናብ ዘመናዊ ስልጣንን ራህዋን ምቕናዕ። ጸላም መመሊሱ ናብ ግብ ዝበለ ድቕድቕ ዝቕየር፡ ሓሳባት ተናዒቑ፡ ሕጊ ክርገጽ ከሎ እዩ።  እንተኾነ ካልእ መጋደዲ ረቋሒ ኣሎ፤ ንሱ ድማ ካብ ቅልጡፍ ምዕባለ ተነጺልካ ኣብ ድሕሪት ምትራፍን ኣደዳ ካልኦት ዝተወንጨፉ ኣህዛብ ምኻንን እዩ። ክትምሃር፡ ስራሕካ ከተሳልጥ፡ ንዶባት ዝሰገረ ጥራይ ዘይኮነስ ጠፈራት ዝስንጥቕ ዕድላት ዝርከብ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ጥራይ እዩ። ካብዚ ምትራፍ ከኣ ሃየንታ እዩ።

ስለዚ ከኣ ኢና – ፈለማ ነታ ንብህጋ — ብሓሳባት እናተደረኸት ብሕጊ ክትከይድ ንደልያ ኤርትራ — በዚ ናይዚ ዘመን እዚ ጸጋ: ከነሰጒማ ዝግብኣና። እምበኣር ንሕና እውን እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ናሕሲ ሃገር ዘለና ኣባላት፡ ነቲ ነካይዶ ቃልሲ ምስ ዘመናዊ ሓቅታት ኣተኣሳሲርና ክንሕዞን ዓምዲ ክንፈልየሉን ደሊና !!! እዚ መንገዲ እዚ ነቶም ብርሃን ንፈቱ ናብ ሰላምን ራህዋን ክወስደና እዩ።

ሃብተ፡ ዳዊትን ሰላምን ኣብዚ ኣርእስቲ እዚን ኣታሕዝኡን መስመር ከትሕዙ ኣብ ውዑይ ልዝብ ከለዉ እቱዉ ኢለዮም።

ሃብተ (ርእሱ እናነቕነቐ) ስምዓኒ ዳዊት፡ ንኹሎም እቶም ኣብዚ መርበብና ነስፍሮም ጽሑፋትና ብዕምቖት ክንምርምሮም ኣሎና። ብዙሕ መዐወቲ መንገዲታት ክንፈጥረሎም ክንጋደል ይግባእ። ታሪኽና ሓንቲ ነገር የረጋግጸልና፤ ናጽነትና ንምርካብ እቲ ኣንፈት ሓደ ማለት ናብ ናጽነት ጥራይ ዝቋመተ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ናብ ናጽነት ዝወሰደ ጻዕርታት ግን ብዙሕን ዝተፈላለየ መንገድታትን ጥበባትን ዝተኸተለ እዩ። ስለዚ ንሕና እውን ካብዛ ዘለናያ ገፋዒት እዋን ናብ ሕጊ፡ ናብ ሰላም፡ ናብ ራህዋ ክንጥምት ከለና ነዛ ሓቂ እዚኣ ክንርስዓ የብለናን። ኩሉ ግዜ ዕላማና ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢና ንሃርም።

ዳዊት፡ (ካብቲ ኮፍ ኢልዎ ዝነበረ ብድድ ኢሉ) ታሪኽ ናይ ትማሊ እዩ። ንሕና ናይ ሕጂ ኢና ንሓስብ ዘለና። ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ፈተና ከመይ ጌርና ናብ ቴክኖሎጂን ዘመናውነትን ንሰገር ዝብል እዩ። መንእሰያትና ዝደልይዎ ነገር ንትማሊ ምጥማት ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ነዚ ኣብዚ ናይ ሕጂ ዓለም ነጊሱ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለን ዘመናዊ መራኸቢታት ፈጢርዎ ዘሎ ዕድል ምውናንን ካብኡ ምርባሕን እዩ። ኣብ ህይወት ሓደ ንጹር ነገር ኣሎ፤ ሰብ ባዕሉ ናቱ ምርጫ ወሲዱ ነታ ቅንዕቲ ዝብላ መንገዲ እንተዘይተኸቲሉ ዝኾነ ዓወት ኣይጎናጸፍን እዩ። ስለዚ ናብዛ ምርጫ እዚኣ ዘላ ሓቀኛ ጸጋን መንገዲ ከነርኢ ናትና ሓላፍነት እዩ።

ሰላም፡ (ኣብ መንጎኦም ኮይና) ኣያ ረስኒ፡ ጽቡቕ ምፍጣጥ ሓሳባት! ናይ ክልቴኣትኩም ሓሳባት ፈቲየ ኣለኹ። ዝተፈላለኹም ይመስለኩም ኣሎ እምበር ብሓደ ኢኹም ዘለኹም። ክልቲኹም ትብልዎ ዘለኹም ቅኑዕ እዩ፤ ግና ሓደ ኣገዳሲ ነገር ረሲዒኹም ኣለኹም። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ መንእሰይ ይትረፍ ነዚ ትማጎትሉ ዘለኹም ዕድል ክረክብ፡ ብብዙሕ ክሓልፎ ዘይግብኦ ምረት እዩ ዝሓልፍ ዘሎ። ታሪኽን ካብኡ ንቀስሞ ምዕራፋትን ዕሽሽ ንብሎ ጉዳይ ኣይኮነን። ዘመናዊ ቴክኖሎጂን ምዕባለን እውን ከምኡ። ግና እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ንክልቲኣቱ ብከመይ ነራኽቦ፧ ብከመይከ ነቲ ስኢንዎ ዘሎ ህዝብናን መንእሰይናን ክረክቦ ንሰርሕን ንድርኽን እዩ ክኸውን ዘለዎ እቲ ሙጉት። እዚ እዩ ናብ ጭቡጥ ፍረ ዘእትወና።

ሃብተ፡ ጽቡቕ ነጥቢ ኣምጺእኪ ሰላም። ዳዊት እውን ካብቲ ዝበልዎ ዝተፈለየ ኮይኑ ተረዲእዎ እምበር ምስኡ እየ ነይረ። ሕጂ ሰላም ነገር ኣሕጺርክልና ኣለኺ። ኣተኣሳስሩ፡ ናብ ሓንቲ ዕላማ ህረሙ። እዚኣ እውን መንገዲ እያ፤ ሓንቲ መንገዲ። ካልእ መንገዲታት ከኣ ቀስ ኢልና ሃሰው ክንብል ኢና። እምበር ስቓይን ቁስልን ህዝብናን መንእሰያትናስ ደረቱ ሓሊፍዎ ኣሎ፤ ይትረፍ ኣብዚ ንብሎ ዘለና ኣርእስቲ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ነገራት እኳ ሕሱም ትርኢት እዩ ዝግረፍ ዘሎ። ግን ንኹሉ እናኣለለኻ ናብ ዝልዓለ ነገር ጠሚትካ ምዕያይ ልቦና እዩ።

ዳዊት፡ ኣነ እውን ክልቴኣትኩም ንዝወሰኽኩሞ ነጥብታት ተቐቢለዮን ኣመስጊነን ሓንቲ ነገር ክብል፤ እዚ  ዘለና ነጥቢ- ዘረባ ጥራይ እዩ ዘሎ። ዘረባ ጥራይ ከኣ ፍረ የብሉን። ስለዚ ነዚ ዘረባ እዚ: ናብ ግብሪ ንቕይረሉ ቀዳማይ መንገዲ፡ ነቲ ድሮ ንሕናን መንእሰያትናን ንውንኖ ዕድላት ቴክኖሎጂ ተጠቒምና ናብ ውሽጢ ሃገርና ሰርሲርና ክንኣቱ ኣለና። ቴክኖሎጂ ዶባት ጥሒሱ ጥራይ ጠጠው ኣይብልን እዩ፤ ንግፍዒን ገፋዕትን እውን ጸግዖም እዩ ዘትሕዝ ብግቡእ እንተ ተጠቒምካሉ።

ሰላም፡ እሞ ወያ ነጥብና ድኣ ጽቡቕቲ መዕለቢት እንድያ ረኺባ! ታሪኽ፡ ልቦና፡ ስራሕን ዕድላት ቴክኖሎጂን ኣዋሃሂድና እንተዄይድናስ ናብታ ሸቶና ገጽና ንግስግስ ኣሎና። ህዝብና ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና ምሳና ኣብ ሓንቲ ጉዕዞ ተጸሚዶም ናብቲ ናይ ኩላትና ራህዋ ነማዕዶን ንሰርሕን ኣሎና ማለት እንድዩ። ተስፋ ተዘሪኡ፡ ልዕሊ ኹሉ ከኣ ሓቂ ተቐልቂላ ማለት እዩ። ዕድልና ከኣ ኣብ ኢድቶም፡ እታ “ናይ ብሓቂ ሓቂ” ዝተረድኡ መንእሰያትና ምህላዋ ዘርኢ እዩ። እታ “ናይ ብሓቂ ሓቂ” ብሓሳብ ተደሪኽካ ኣብ መወዳእታ ብሕጊ ትግዛእ ሃገር ምፍጣር እዩ።

ይቕጽል…

guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ