ንሕና ናሕሲ ሃገር ኣይኮናን። ንሕና ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ሃገር ኰይና ሰናይ ሓሳባት ከነንግስ ዝነቐልና ምንቅስቓስ ኢና። “መን እዮም ናሕሲ ሃገር?” ኢሎም ዝሓቱ ሰባት ሕቶኦም ከዐርዩ ግድን እዩ። “ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ሃገር ኮይኖም ዝነቕሉ ዘለዉ መን እዮም፧” ኢሎም እዮም ክሓቱ ዘለዎም።
ኣባላት ናሕሲ ሃገር፡ ኣብ ላዕሊ ኰይና ትእዛዛት ክንህብ፣ “ንሕና ንፈልጥ፣ እዚ ግበሩ፣ እዚ ኣይትግበሩ” ንብል ኣይኮናን፤ እኳድኣ ንኸምዚ ዓይነት ኣካይዳ ንቃወሞ ኢና። ሽግራት ቤትና ማለት ሃገርና ኣለሊና፣ ኣውራ ጸገማትና ፈሊና፣ ኣብ ትርጉም ዘለዎም ሓሳባት ኣተኵርና፣ ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ብኸመይ ከም ዝመጽእ ምይይጥ ምግባር እዩ። ነዚ ምንቅስቓስ ከነበግስ ከለና፣ ከም ኩሎም ዜጋታት መሪር ስቓይ ዝጠዓምና ስለዝኾና፡ ቃንዛ ናብ ዕረፍትን ሰላምን ክቕየር ክንቃለስን ከነድምዕን ከም እንኽእል ስለዝተገንዘብና ኢና።
ናሕስና ፈሪሱ፡ ቤትና ዓንዩ፡ ኣብዛ ዝዓነወትን ናሕሳ ዝፈረሳ ቤት ዘሎ ህዝብና ከኣ ንመከራ ጥምየት፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን ሞትን ተቓሊዑ ይርከብ። እሞ ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ፡ ክንበክን ከነማርርን ዘይኮነስ፡ ነዚ ሓሳር እዚ ክንፈትሕ ብሓባር እንታይ ክንገብር ንኽእል ኢልና እጅገና ሰብሲብና ክንሓስብ፣ ክንማየጥ፣ ክንሰርሕን ክነጥፍእን ይግብኣና። ወትሩ ለውጢ ዝመጽእ ሰባት ብሓባርን ንሓንቲ ዕላማ ደው ክብሉ ከለዉ እዩ። ሕጂ ተድልየና ዘላ ከኣ ንሳ እያ።
ዝፈረሰ ናሕስና ጸጊና፡ ዝዓነወ ቤትና ሃኒጽና፡ ብሰላም ወፊርና ብሰላም ንምለሰላ ሃገር ንፍጠር። ዝተበታተነ ህይወትና፡ ዝተዀለፈ ተስፋና፡ ዳግም ንምምላስ እጅገና ሰብሲብና ብሓባር ክንዓይ ይግብኣና። ሕውነትን ምሕዝነትን ኣብ ህይወት ዘለዎ ትርጉም ኣመና ዓብዪ እዩ። ስለዚ ከኣ እሙን ምዃንን ሓቀኛ ድጋፍ ምግባርን ኣብ ካልእ ይትረፍ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ጥራይ እንተሰሊጡ እኳ፡ ትርጉሙን ጥቕሙን ኣዝዩ ዓብዪን ኣገዳስን እዩ። መንፈስ ናሕሲ ሃገር ከኣ ካብዚ እዩ ዝፍልም።
ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ሃገር ዘለዉ ኣባላት መነመን እዮም፧ እንተተባሂሉ ከኣ፡ ንስኻ፣ ንስኺ፣ ንሕና፣ ኩላትና ኢና። ኣብዚ ቅዱስ ርክብን ሓላፍነትን እንተተጸሚድና፡ ንሕና መራሕቲ ናይቲ ንብህጎ ጽባሕ ኢና። ዋናታት ጉዳያትና ንሕና ባዕላትና ኢና። ሓደ ንሓደ እንዳኣዘዘን “ኣነ እፈልጠልካን” እናበለካን ዘይኮነስ፡ ብትሕትናን ብግልጽን እናተመያየጥካ ሓላፍነት ወሲድካ ምስራሕ የድሊ። ጽንዓት ኣብ ሓቂ መተካእታ ዘይብሉ መትከል ወዲ ሰብ እዩ። ንግፍዒ ብሓባር ብሰላማዊ መንገዲ “ፎእ!” ምባል፡ ሰብኣዊ ክብርና ክረጋገጽን መሰላትናን ጸጋታትናን ክንመልስን ይሕግዘና። እዚ ሓድሽ መንገዲ እዩ። ነዚ መንገዲ እዚ ብርሃን ብምፍጣር፡ ዝተሓላለኸ ጸገማት ፈታቲግካ ፈውስታቶም ምእማም፣ ነቲ እማመታት ከኣ ምትግባር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ጸልማት ኣልዩ ብርሃን ዘንግስ።
ስለምንታይ ክንዕጠቐሉ ኣለና፧
ስለምንታይ እዩ እዚ ብናሕሲ ሃገር ዝብገስ ዘሎ ጻውዒት ንንጡፍ ተሳታፍነት ክንዕጠቐሉ ዘለና? ስቓይ ስቓይ ኩላትና፣ ሕሰም ሕሰም ኩላትና እዩ። ሎሚ ዝጥዓሞ የለን። እቲ መከራ መዓጹ ኵላትና ከፊቱ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ዝተገንዘበን ዝተሰቖሮን ሓሳብ እዩ ንውዳበ ናሕሲ ሃገር ኣበጊሱ ዘሎ።
ስለዚ ከኣ እዩ ዕላማና ንጹር ዝኾነ። ዕላማ ናሕሲ ሃገር፡ ቤትና ማለት ሃገርና በቲ ዝግብኣ ዳግም ምህናጽ እዩ። ሰባት ወፊሮም ቅጫን ማይን ሒዞም ንቤት ክምለሱ፡ ኣብ ዝተሓደሰ ናሕስን ቤትን ብሰላም ከዕርፉ፡ ካብኡ ዝነቕል ሓያል ጉዕዞ ከኣ ሰብ ሰሪሑ ተማሂሩ ናብ’ቲ ዝለዓለ ቁጠባዊ ራህዋን ሰላምን ንምብጻሕ ምንቃድ እዩ።
ነዚኣ ንምግባር እታ ፍታሕ ኣብ ኢድ ኩላትና እያ ዘላ። እከይ ነገር ጸይንካ ሰናይ መንገዲ ምሓዝ፣ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ብሓድሽ ተስፋን ብሓድሽ መንገዲ ምንቃል። ነገራት ናይ ምቕያር ዕድልና ኣይተጸንቀቐን፣ ኣይክጽንቀቕን እውን እዩ። ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ንሕጂ ፈሪሳ ዘላ ናሕሲ ኰይንና፡ ብሓያል ጻዕሪ ክንጽግና፣ ንምንባራ ተህርፍ ምርጽቲ ኣደራሽ ቤት ክንገብራ ይግብኣና። እዋኑ እዋን ምጉርምራም ኣይኮነን፤ እዋኑ እዋን ሓሳብን ስራሕን እዩ። ንዕዮ ንበገስ።
ሰናይ ዘርአ ተወልደ
