ተበግሶታት ክንወስድ ኢልና: ኣብ ንሓስበሉ እዋን፡ መርሓ ጎደናናን ምንጪ ሓይሊናን: ንሕና ባዕላትና ኢና። እዚ ጥበብ እዚ ድኣ: ‘ኣበይ ይርከብ፧’ ተባሂሉ እንተ ተሓቲቱ ከኣ፡ ኣብ ውሽጥና እዩ። እንተኾነ :ደቂ ሰባት ዘይንጸል ባህርና ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ገለ እዋናት: ንፈርሕ ኢና። ንፍርሒ ግን :ብኸመይ ኢና ክንኣልዮ ንኽእል፧ እወ: ፍርሒ ዝውገድ፡ ገዛእ ርእስና: ምስ እንረክብ ጥራይ እዩ። ናብዚ ናይ ውሽጢ ርኽበትና፡ ንበጽሕ እውን ብንቕሓት እዩ። ንቕሓት፡ ንኹሉ ማሕለኻታት ዝበትኽ፡ ሓያል-ዕጥቂ ወዲ ሰብ እዩ።
ሰብ ንሰብ፡ ሓሳባቱ ክጽዕነሉ ዝኽእል፡ እቲ ተቐባሊ፡ ድኹም ኣእምሮ ምስ ዝህልዎ ጥራይ እዩ። ሰባት: ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝጽዓኑ፡ ዕሩቕ ኣእምሮ ምስ ዝረኽቡ እዮም። እምበኣር፡ ነዚ ኣብ ሕብረተሰብና፡ ተጻዒኑ ዘሎ ባዕዳዊ ሓሳባት ሓጺቡ ዝድርብይ፡ ብንቕሓት ውሽጡ ዝምራሕ፡ ሓድሽ-ወለዶ፡ ክቕልቀል ኣለዎ። ነዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ፡ ዓቢ እምባ ክነቕሎ ዝኽእል ከኣ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ፡ ዓቕሚ ጥራይ እዩ። ማእከል ስሕበትና እዚ ኮይኑ፡ ንመላገጽቲ ዘለሊ፡ ክኸውን ይግባእ። ኣግማድ ላግጺ ግን፡ ኣበይን ብኸመይን መልክዕን እዩ ቖይሙ ዘሎ፧ ንዝብል ሞጎት፡ ኣብ ክልተ መቒልካ፡ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ቀዳማይን ኣብ ቅድሚት ዝመጽእን፡ እቲ መላገጺ ኣካል እዩ። እቲ ኣውራን ካልኣይን ዝመጽእ ከኣ፡ እከይን ሓያልን ሓሳብ፡ ናይቲ መላገጺ እዩ። እምበኣር : እዞም ክልተ ነገራት እዮም፡ ንህዝብና ጅሆ ሒዞሞ ዘለዉ። “ከመይ፧” ይብሉ ለባማት። ህዝብና ዝመሓደረሉ “ሕጊ-እንዳባ”‘ ዝበሃል፡ ዓብዪ ጸጋ፡ ነይርዎ እዩ። እዚ “ሕጊ-እንዳባ” ንብሎ ዘለና ጸጋ፡ ምንጪ ሰላምን ዕብየትን፡ ህዝብና ዝነበረ፡ እኩብ ሓሳባት እዩ ነይሩ። እዚ ዓሚቕ ሓሳባት እዚ ከኣ እዩ፡ ንህዝብን ጉዳያቱን፡ ብዓወት ዝቕልስ ዝነበረ። እዚ ኩቡር “ሕጊ-እንዳባ” ንብሎ ዘለና ዓብዪ ሓሳብ ከኣ፡ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ከብሒ ኮይኑ የማሕደር፡ ተረባሒ ናይዚ ምሕደራ እዚ፡ ዝኾነ ህዝቢ ከኣ፡ ኣብ ባይታ ኮይኑ፡ ብጋድም ወይ ከኣ፡ ብማዕረ ድልድል ይመሓደር ነይሩ።
ሽሞኛታት ወይ ጭቃ ዓዲታት፡ በቲ ኣብ ከብሒ ዝነበረ ሓሳባት፡ “ዝግበርን ዘይግበርን” ኣለልዮም፡ ብሓላፍነት ዝመርሑ እምበር፡ ብትኹል መልክዕ፡ ዝነግሱ ገዛእቲ ኣይነበሩን። ሓለፋ እውን ኣይነበሮምን። ከም ሰቦም ኣብ ጋድም እዮም ነይሮም።
ናብታ መላገጺት ዘመናዊት ንግስቲ፡ እንተ ተመሊስና ግና፡ ከም ሽማ ንግስቲ፡ ኣንጻር ሕጊ እንዳባ፡ ኣብ ክንዲ ብጋድም፡ ብትኹል እያ ትመርሕ። እዛ ንግስቲ እዚኣ: በቲ ሓያል ተንኮላ፡ በለባብስኣ፡ ኣብ ጋድም ዝተቐመጠት ኣምሲላ እናተራእየት፡ “ኣነ እውን ከማኻትኩም: ኣብ ትሑትን ልሙድን ህይወት ‘የ ዝነበር” ትብል። በቲ ኣብ ውሽጣ ሸፊና፡ ንትኹል ዘቐመቶ ተንኮል ዝመልኦ ሓሳባት ግን፡ መሬት ኣጸልሚታ ዓዲ ኣባዲማ ኣላ። ህዝብና ከኣ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፡ ድንግርግር ኣትይዎ። ናብቲ ኣብ ጋድም ዝነብር ዝመስል፡ ግን ከኣ ብሽርሕታት ዝተጎልበበ ኣካላ ወይ ምስላ እናረኣየ፡ “እንታይ’ ሞ ሓለፋ ረኺባ፧ ደይ ከማታትና ትነበር ዘላ” ብዝብል ትርጉም፡ ኣብ ስጊንጥራዊ: ሓሳረ መከራ ኣትዩ ኣሎ። በቲ ይከላኸለላ፡ በቲ ከኣ፡ ይዋረደላ ኣሎ። እቲ እህህታ፡ ርእዩን ክኽወል ዘይክእልን እዩ።
እሞ፡ ነዚ ውዲት እዚ፡ ብንቕሓት ኣለሊና፡ ክንሰርሓሉን ቆራጽ ተበግሶ ክንወስድን፡ እዚ መድረኽ እዚ፡ ብጽኑዕ ይጠልበና ኣሎ። “ሽሞኛታት-ጭቃ ዓድን ንግስትን፡ ሕቖን ከብድን !” እዩ ኮይኑ ዘሎ ነገሩ።
ኣድያም ተወልደ
