ስቕ እንተኢልና፡ እንታይ’ዩ- ክወርደና፧ ቀዳማይ ክፋል

  

ንምንታይ ኢና ብጉዳይ ሃገርና ክንዛተ ግዲ ዘድልየና፧ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተመርሚርና ኣብ ታሪኽ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ፡ ስቓታ ዘየድልዮ እዋናት-ብስቕታ ስለዝተሓልፈ: ዘይተኣደነ ዋጋታት ኣኽፊሉ እዩ። እዚ ፍሉጥ እዩ፤ ሓደን ክልተን ዝብሃሎ ጉዳይ ኣይኰነን፡ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ኮፍ ኢሉ ኣሎ። ሰብ ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ናጽነት ይደሊ፡ ህዝቢ እውን ከምኡ፡ ልዕሊ ዝዀነ ነገር ዝጸምኦ ነገር እንተ ሃልዩ፡ ናጽነት እዩ። ናጽነት ክሳብ ክንድ’ዚ፡ ትርጉም ክሳብ ዝሃለዎ ድኣ፡ መዓስ እዩ ናጽነት ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ፧  ኢልና ምሕታት፡ ኣየድልየናን ዶ፧ የድልየና እምበር፡ ናጽነት፡ ትንፋስ እዩ፡ ብዘይ ናጽነት፡ ከም ኣብ መቓብር ዘይኣተወ፡ በደን ስለ ዝዀና።

እሞ ናብ መልሲ እታ ዘልዓልናያ ሕቶ ክንምለስ፡ ናጽነት ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ፡ ውልቀሰባት ክግፍዑ ክእሰሩ ክቕተሉ ከለዉ፡ ወይ እውን ህዝቢ ሓሳረ መከራ፡ ክጸግብ ከሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እዚ ኹሉ ነገራት እንዳጋጠመ፡ ስቕ ኢልና ክንዕዘብ ከለና እውን እዩ። ከም ህዝቢ ጽኑዓት ከም ዝኾና፡ ኣብ ጽንዓት ነኺስና፡ ፍረ ዘምጻእና ምዃና ጭቡጥ ሓቂ እዩ። ኤርትራ ነጻን ልኡላዊትን እያ። እታ ቤት ሳላ መስዋእቲ ደቓ፡ ንሓዋሩ፡ ልዕልቲ ኰይና እያ። ሕጂ ዘዛርበና ዘሎ፡ ናሕሲ እታ ቤት፡ ንሂሉ፡ ተቐዲዱ፡ ኣደዳ ኩሉ ሓደጋ ተቓሊዕና ኣሎና። ከም ውልቀሰባትን ከም ህዝብን፡ ብቓላት ዘይግለጽ መከራታት ተጻዊርና :ክሳብ ሕጂ ኣለና። እወ ኣለና፡ ግን ሕማቕ መነባብሮ እዩ። ስለዚ: ካብዚ- ብቅኑዕ ሓሳብን ዘተን ጥራይ ኢና ንወጽእ። ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ደገ፡ ብሓንቲ ባህጊ፡ ንኹሎም ጉዳያት ሃገርና፡ ብቅንዕና ንዛተየሎም፡ ናብቲ ቅኑዕ ስፍርኦም ኣምጺእና ከኣ፡ ንጠቐመሎም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ከይንይሓትት ድኣ፡ ንምንታይ እዩ ኣፍና ተለጒሙ ዘሎ፧ ወይስ ንምንታይ እዩ፡ ርእስና ኣገደስቲ ሕቶታት ክሓትትን፡ ንመልስታቶም፡ ብዘይተጉላባ ክምእርሮምን ዘይፍትን ዘሎ፧ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮ ክነቕልቀሉ ምስ ጀመሩ፡ ኣፍ ክድርጎሖም እዩ። ስቕታ : ንህዝብና ናበይ ይወስዶ፧ ዘተ ኸ፧

ከም ህዝቢ ታሪኽና ነዊሕን ጽኑዕን እዩ። ታሪኽናን ሓቕናን ምስ ተመንጠልና፡ በረኻ ወጺእና፡ ሓቅና ብኸመይ ከም ዘምለስና፡ ምስኩር መስተንክር እዩ። እዚ ጽኑዕ መሰረትና እዩ። ኣብዚ ረጊጽና፡ ከይርህወና፡ ብሰላም ከይንነብር፡ ብሕጊ ከይንግዛእ፡ ዝዓግቱና ዘለዉ ነገራት እንታይ እዮም፧ ኢልና ብዕቱብ ክንሓትትን ክንሓስብን ግን ግዴታ ኣሎና። ሰኣን እዚኣ ነጥቢ እዚኣ፡ ብቓላት ዘይገለጽ፡ ሓሳርን መከራን ንሓልፍን ኣሎና። ክንደክም ከለና ዶ ዝያዳ ውሕሰንት ንረክብ፧ ወይስ ከም ህዝቢ ክንሕይል ክንወሃዳድ፡ ክንሓሳብ ክንዛተ፡ ክንዕጠቕ፡ ብሓደ ደው ክንብል ከለና፧

ብረታዊ ቃልስና፡ ተማእዚኑ፡ ነቕ ዘይብል ፍረ ኣምጽኡ። እወ ነጻ ኤርትራ፡ ተረጋጊጻ። ሰላማዊት ፍትሓዊት፡ ንሰብ ኣኽቢራ፡ ራህዋ እትፈጥር ኤርትራ፡ ከኣ፡ ኣብ ዘተን ኢሂን ሚህን እትኣምን መንገዲ እያ፡ ትረጋገጽ። ስለዚ፡ ንፈርሖ ኣርእስታት፡ ወይ ጉዳያት የለን፡ ኣብ ኩሉ፡ ብምሉእ ምክብባር፡ ክንዝቲ ኢና። “ንህዝብና፡ ነኽቦሮ ኢና፡ ራህዋን ፍትሕን ክረክብ፡ ንደልን ንቃለስን ኢና፡!”ንብል እንተኰይና ብርግጽ ንሕና ባዕላትና፡ ክቡር ነገር ክንቕረበሎ ኣሎና፡ ክቡር ነገር ማለት ከኣ፡ ፈለማ ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ሰብ ክሓስብን ብሓሳቡ ከድምዕን ይኽእል እዩ ፡ ኢልና ምእማን፡ ሽዑ ብሓባር ብምዝታይ፡ ዝብላዕ ነጥብታት ምርካብ፡ ልቢ ህዝብና ኣረስሪስና፡ ናብ ራህዋ ገጽና፡ ምስጓም። ብፍላይ ናይቶም ኣብ ሸዊት ዕድሚኦም ዝተቖጽዩ፡ ዝሰንከሉ፡ ግዜ ቁልዕነቶምን ንእስነቶምን ምእንቲ ኤርትራ ዝሓረረ፡ ሰማእታትና፡ እናዘከርና እንተሓሲብና እንተ ዘቲናን ሰሪሕናን፡ ንጻዕርና፡ ፈጣሪ፡ በረኸቱ ከፍስሰሉ እዩ። ከም ህዝቢ ኣመንቲ ስለ ዝዀና፡ ፈጣሪና ናይ ወትሩ ዋልታናን ዋሕስናን ምኻኑ ኣይንዝንግዕን። ስለዚ፡ እዛ ሕጂ ትኸየድ ዘላ መንገድስ፡ ጽብቕቲ ድያ ሓደገኛ፡ እንታይ ጎዲልዋ ኣሎ፤ እንታይ ከ ኣለዋ፧ ናብ ሕጊ ናብ ሰላምን ራህዋን ብዝተኣማምን መንገዲ ክትወስደና እንታይ የድልያ፧ ንዘቲ።

ንሕና ናይ ኩሉ ሽግራትና መፍትሒ ሒዝና ከም ዝመጻእና፡ ሃዋርያት ሃገር ኰይና ወይ መሲልና ክንመጽእ ኣይንደልን። መዛተይ ኣርእስታት ከነቕርብ፡ ናትና ሓሳባት ክንህብ፡ ናይ ካልኦት ከኣ ጽን ኢልና ክንሰምዕ ግን ኣመና ንብህግ። ሃገር ምስ ኩሉ ዓቕምታታ፡ መንእሰያትን ህዝብን ምስ ኩሉ ጸጋታቱ፡ ኣብ ፍርሕን ስግኣትን ጸሚድካ፡ “ሕጂ ስቕ በል!” ዝብል ኣካይዳ፡ ንመሪር ሓቂ ጥራይ እዩ ኣቃሊዑና ዘሎ። ብሕልና ክምርመር ኣብ ዘለዎ ሓቂ፡ ስቕ እንተ ኢልና፡ ናብ መውጽኢ ዘይብሉ ጥፍኣት ምእታው’ዩ። ንምንታይ እሞ ናብ መውጽኢ ዘይብሉ ጥፍኣት ንኣቱ፧ ዘይንሓስብ፡ ዘይንዛተ፡ ዘይንጽሕፍ፡ ዘይንሰርሕ። ንኹሉ ከኣ፡ ብሓባር፡ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ኣብ ሓሳብ ሰብ ምሉእ ክብሪ እናሃብና: ዘይንኸይድ፧

ካብ ሕጂ ንንዮ፡ ብዝተፈላለየ፡ ጉዳያት፡ ኤርትራውያን ኣብ ጽላል ሓንቲ ናሕሲ ሃገር ክዝትዩ እዮም። እቲ ዘተ ተፈሊሙ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል፡ ኩሉ ንትርጉም ዘተን ጥቕሙን ዝርዳእ ዜጋ፡ ብዙሕ ጠቐምቲ ሓቅታት ሃገርን ህዝብን ኣብ ቅድሚት ኣምጺኡ፡ ኣ እዕቕሚቊ ክዝቲ እዩ። ሓንቲ ሓቂ ኣላ፡ ኤርትራ ትጽዓር ኣላ። ድኽነት ምረትን፡ በኺኻ ዘይጽገበሉ ኰይኑ። ስደት፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ተገቲሩ ዘሎ ሓቂ እዩ። መሰል ሰብ፡ ክትዛረበሉ ብዘይትኽእል ተረጊጹ ኣሎ። እቲ ገጢሙና ዘሎ መከራ ኸኣ፡ ንኣውራጃ ሃይማኖት ብሄር ጾታን ደረጃ ሕብረተሰብን ዘናሕሲ ኣይኰነን፡ በልማማ ንኹላትና፡ በቲ ዝመረረ ጭጉራፉ፡ ይገርፈና ኣሎ። ቆልዓ ሰበይቲ፡ መንእሰይ ዓብይ፡ ሓረስታይ ሸቃላይ፡ ቀለም ዘይቀመሰ ሙሁር፡ ኣብ ሓንቲ ዓይነት መከራ፡ ይልሎ ኣሎ።

ነቲ ተጋሂዱ ዘሎ ሓቂ ኢና ፈለማ ኮፍ ኮፍ ነብሎ ዘለና። ፈለማ እቲ ኣውራ መሰረታዊ ተጋሂዱ ዘሎ ሓቅታት ከነለሊ እምበር፡ ኣጻብዕትና ከነወጣውጥ፡ ኣይንደልን። ዱር ወይ ጫካ ብሓንቲ ገረብ ዝቖመ ኣይኰነን። ህዝብና ብብዙሓት ኣግራብ ዝቖመ ሃብታም ዱር እምበር፡ ብሓደ ክልተ ኣግራብ፡ ዝውሰን ዝልካዕ ዝግምገም ህዝቢ ኣይኰነን። ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕን ቃንዛን፡ ብሓባር ተሰኪምናዮ ክንስና፡ ብዛዕባ ኣደራዕናን ቃንዛናን ዘይንዝትየሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ፧ እወ፡ ሕጂ እውን ንዘቲ፡ ጉዳያትና ንመርምሮም፡ ፈውሲ ከኣ ንርከበሎም። ተስፋ ብዘቑርጽ መንገዲ፡ በቢውልቂ፡ ብጽምዋን “እንታይ እዩ’ሞ ዝግበሮ!” ብዝብል፡ ተስፋ ዝቀበጸ ኣጠማምታ ምኻድ ደው ኣቢልና፡ ኣጠማምታና፡ ኣተሓሳስባና ኣዘራርባና፡ ኣሰራርሓና፡ ንቐይር፡ ነድምዕ። እዚ ይክኣል እዩ። ፍረ ከኣ ክህብ እዩ። “ኮን ዶ ኾን”፡ ኢልና ኣይኰናን: ነዚ መድረኽእ’ዚ ንፈጥሮ ዘለና። ብተደጋጋሚ ንሰምዖ፡ ዝበለየ ዘረባ ኣሎ፤ “ሕጂ ግዚኡ ኣይኰነን፡ እዚ ኣይክኣልን እዩ”፤ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ ዘረባታት፡ ንሓዋሩ ጸግዖም ክሕዙን፡ ብሓያላትን ዘድምዑን፡ ቃላትን ሓረጋትን ክትክኡ ይግባእ።

ሓቂ ተቐቢራ ከም ዘይትቕበር፡ ሕብረተሰብና ደጋጊሙን ብዝተፈላለይ መልክዕን ነጊሩና እዩ፡ ሓቂ ኩሉ ግዜ ከም ትዕወት እውን፡ መስኪርና ኢና። ጅግና -ዝብል ቃል፡ ብኹሉ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ፍቱው ቃል እዩ። መን ጅግና ክኸውን ወይ ጅግና ተባሂሉ ክጽዋዕ ዘይብህግ፡ ጅግና ግን መን እዩ፧ ጅግና፡ ግፍዒ ክፍጸም ከሎ፡ “ኣይፋል፡ እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን!” ዝብል እዩ። ምኽንያቱ፡ ስቕታ እንተመሪጹ፡ እታ ግፍዒ ዝቕርደዱ ቀርዲዳ ናብኡ እያ ክትመጽእ።

እቶም ደኽዮም ወይ ተዳቒቖም ዝጠፍኡ ኣህዛብ ዓለም፡ እቶም ምስ ሓቂ ዝተባተኹ ኣህዛብ እዮም፡ እዚ እውን ኣብ ታሪኽ ኮፍ ኢሉ ዘሎ: ሓቂ እዩ። ስቕ ዝበለ ህዝቢ ዝመርሑ፡ መንግስታት፡ መወዳእትኦም፡ ስዕረት እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ ንሳቶም ጥራይ ኣይኰኑን፡ ዝስዓሩ፡ ነቲ ስቕ ዘበልዎን ኣብ መከራ ዘንበርዎን ህዝብታቶም፡ ኣብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ሸሚሞ፡ ይጠፍኡ።

ብርሃን፡ ኣብ ኩሉ ህይወትና ተባሃጊ እዩ። ነዚ ተባሃጊ ነገር ክሽፍኑ ህርድግ ዝብሉ፡ ክፉኣትን ኣብ ጸልማት ኮይኖም፡ እከይ ክሰርሑ ዝደልዩ ሓይልታትን እዮም። ንሰናይ ንብህግን ሰባት ግን፡ ንብርሃን ሃረር ክንብሎ፡ ክነብሮ ይግብኣና። ንኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግራት፡ ጸበባታት መከራታት ክንሓብኦ ክንፍትን ከለና፡ ነቲ ጎሊሑ ወጺኡ ዘሎ ሓቂ ኢና ክንዓብጦ ንደሊ ዘለና። ነዚ ግሁድ ሓቂ ክንሽፍኖ እንተፈቲና፡ ዝገደደ ዝሰፍሐ ጸላም ኢና ንፈጥር ዘለና። ግብዝና ድሕሪ ደጊም፡ ክተርፍ ኣለዎ። ነታ ዘላ ሽግር፡ ከም ሽግር ኣሚንካ፡ ፈውሳ ምንዳይ እያ እታ ናይ ጥዕና ስራሕ። ከይተፈራራሕና፡ ኣብ ሓድሕድና ፍቕሪ ዝዓሰሎ መንፈስ ኣንጊስና፡ ንኹሉ ጉዳያትና ክንዛረበሉ፡ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ሕጂ ዝኽፈት ዘሎ መድረኽ ከኣ፡ እዚ እዩ ዕላምኡ።

ኩነታትና ናብ መድረኽ ሓሳባት፡ ሕጊ ራህዋን ሰላምን ክንቅይር ንደሊ እንተድኣ ኰይና፡ ብስምዒት ተመሪሕና ክንዕወት ኣይንኽእል ኢና። ቀደምን ሕጂን ኩሉ ግዜን፡ ብስምዒት ተረጋጊጹ ዝፈልጥ ዓወት ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ብሱል ሰብ፡ ንሰባት ብመሰረት ናይ ትማሊ ሓሳባቶምን ስጉምትታቶምን ኣይፈርድን እዩ። ነገራት ከም ዝቐያየሩ፡ ደቂ ሰባት ከኣ ምስ ነገራት ተመዓራርዮም ክኸዱ ግዲ ምኻኑ ይግንዘብ እዩ። ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ፡ ሰባት- ፍርሃት ፈጣሪ: ቅንዕና :መትከል፡ ሓቀኛ ሰብኣዊ ርክባት፡ ክሕዙ፡ ኣብ ክርክር ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኰነን። ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ኩሉ ዕዮ፡ ከንቱ ስለ ዝኾነ።

ንኹላቶም ክሳብ ሕጂ ነልዕሎም ዘለና ነጥብታት፡ ናበይ ገጽና ኢና ንወስዶም ዘለና እንተ ሓቲትና፡ ኤርትራ ናበይ ገጻ ትኸይድ ኣላ፧ ንሕና ኸ፡ እንታይ ንሓስብ፡ ብኸመይ ንዛተ፡ ብኸመይ ከ -ንብህጎ ንረክብ፧ ናብ ዝብል ኣንፈት እዩ ዘቕንዓና ዘሎ። ኤርትራ፡ ፍረ መስዋእቲ እያ። ዓወት ዝመጸ፡ ብሓያል ትልሚን ዕቱብ መደብን እምበር፡ ብስምዒታዊ ጫውጫውታን ኣይነበረን። ስለዚ ዕቱብ ትልሚ፡ ዕቱብ ሓሳብ፡ ዕቱብ ዘተን ዕቱብ ስራሕ የድልየና ኣሎ። ብዘይ ዕቱብ መንገዲ ዝጀመረ ቃልሲ፡ ወይ ገና ኸሎ፡ ወይ ከኣ- ኣብ ፍርቂ መንገዲ፡ ወላእላእ ኢሉ እዩ ዝተርፍ። ከም ንቕሎ፡ ናይ ጀማሪ፡ ባህሪ ግድን እኳ እንተኾ፡ ብጽኑዕ መሰረትን፡ ኣብ ከውሒ ዝረገጸ እምነትን ክሳብ ዝሃለው፡ ኣዕጋቢ ፍረ ክርከብ፡ ህዝብና ከኣ፡ ብሕጊ ተማእዚኑ፡ ራህዋ ክጎናጸፍ ምኻኑ፡ ቅንጣብ ጥርጥር የለን። ስለዚ “ንኹሉ፡ ዘይርብሕ ሰነፍ ሓሳባት ጠንጢና፡ ብሰፊሕ ዓይኒ ንሃገርና ክንጥምታ ኢና። ክንዝቲ ኢና ” ክንብል ከለና፡ “ክንወቓቐስ ኢና !” ማለትና ኣይኮነን። ንጸገማት ሃገር፡ ብንጹር በብዝመስላና ጠሚትናን መርሚርናን፡ ተዛቲናን፡ ኣብ ሓደ ወርቃዊ ጠቓሚ መደምደምታት ክንበጽሕን፡ ንዑኡ ከኣ ናብ ተግባር ከነስግሮን ኢና ማለት ኢና። ስልጡን ንቕሓት ከነርኢ፡ ካብ ቅንዕናን ምትእምማንን ንብገስ ኣሎና። ናይ ኩላትና ዕላማ ሓንቲ እያ፡ ብሕጊ ትምራሕ ርህውትን ሰላማዊትን ኤርትራ፡ ምፍጣር። ስለዚ ከኣ፡ ኢና ኣብ መንጎና እውን ከይተረፈ፡ ፍልልያት ናይ ሓሳባት እንተተራእዩ፡ ብምክብባር ብሕግን ድምጽን ንፈትሖ እምበር፡ ናብ ናይ ጽልኢ መንፈስን ቋንቋን ኣይንኣቱን። ናይ  ጽልኢ መንፈስን ቋንቋን ፡ ንጽየኖ ኢና።

ኣብዚ ሓደ ዓብዪ ነገር ይንደቕ ከም ዘሎ፡ ክንስሕቶ ኣይግባእን። እዚ ሎሚ ንሕና ነካይዶ ዘለና ዘተን ቅኑዕ መንፈሱን፡ ነዞም ናይ ሎሚ መንእሰያትን ንውሉድ ወለዶን፡ ዓብዪ ውርሻ እዩ። ህዝብና ካብ ሕጂ ንን ዮ፡ ብፍርሒ ዶ ብሓሳብ ክምራሕ፧ መሰሉ ዝፈልጥ ድዩ፧ ንመሰላቱ ከኣ ይሓተሎም ዶ፧ እዚኣቶምን ካልኦት ንዓኣቶም ዝመስሉ ሕቶታትን፡ ካብ ሕጂ እዮም፡ መልክዕ ክሕዙን ክዝተየሎምን ዘለዎ። ሃገር ጽቡቕ መጻኢ ዝህልዎ፡ ሕጂ ዘላቶ ግዜ፡ ብናጽነት ክነብራ ከሎ እዩ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ይኹን ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ብሓፈሻ፡ መንእሰያትና ከኣ ብፍላይ፡ ናይ ምዝታይን ውሳኔታት ናይ ምውሳድን መሰሉ ክምለሰሉ ኣለዎ። ንሕና እቶም ኣብ ናሕሲ ሃገር ዘጽለልና ኣባላት፡ ብዝሓለፈ ታሪኽና እንሕበን፡ ሕጂ ኸኣ ፈጠርቲ ሓድሽ መኣዲ ዘተ ኢና። ንሃገር ዘርብሕ ሓቕታት፡ ተደፊኖም ክተርፉ ከኣ ኣይነፍቕድን። ኣብዚ መድረኽ እዚ፡ መንግስቲ ዝፈጠሮ ሽግራት ይኹን፡ ሕብረተሰብ ኣትይዎ ዘሎ ዓዘቕቲ፡ ከይሸፋፈናን ብሓላፍነታውን ውርዙይ ቃናን፡ ክንዛረበሉ ኢና። ተዛሪብናው እውን ትም ኣይክንብልን ኢና፡ ድሕሪ ሰፊሕ ዘተን ውሳኔታትን፡ ፈውስታት እቲ ጸገማት፡ ክንእምም፡ ከነተግብር፡ ኢና። ናሕሲ ሃገር፡ መድረኽ ኲላትና እያ። ኣብዛ መድረኽ እዚኣ፡ ዝኾነ ሰብ፡ ሓሳብ ካብ ምግላጽ ድሕር ክብል የብሉን። ብንጹህ ሕልና፡ ንሃገርና ናብ ሕጊ ራህዋን ሰላምን ከነስግራ ንዝትየሉ ግዜ፡ ሕጂ እዩ። ስቕታ እንተ በዚሑ፡ መከራ፡ ቀምበይበይ ክብል እዩ። ዘተ እንተ ተጀሚሩ ግን፡ እታ ንብህጋ ጽባሕ፡ ካብ ሕጂ ብርሃና ኳዕ ኣቢላ ክትቅልቀለና እያ። እቲ ግዜ መጺኡ ኣሎ፡ ንሕሰበሉ ንዘትየሉ፡ ንስራሓሉ፡ መጻኢና ንህነጸሉ።

ጻሓፊ፡ ውላድ ሓሳብ።

ይቕጽል…

0 0 votes
Article Rating
guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ